ሰበር ዜና – ቅልውላው ሱዳን ናብ ኤርትራውያን ገጹ ይልሕም

ቅልውላው ሱዳን ናብ ኤርትራውያን ገጹ ይልሕም

ምንጭታት ራድዮ ስምረት ካብ ሱዳን ከምዝሕርብዎ፥ ኣብ ገዳርፍን ከባቢኣን ትማሊ ግንቦት 11, 2019 ዝጀመረ ግጭት ኣብ ሞንጎ ሕብረተሰብ ኑባን በኒ ዓምርን ሎሚውን ይቕጽል ኣሎ።

መንቀሊ ናይቲ ግጭት ገለ ኣባላት ሰራዊት ሱዳን ተወለድቲ ኑባ ነቶም ሱዳናውያን በኒዓምር (ትግረ) ቁጽሮም ንብምዛሕ ንኤርትራውያን በኒ ዓምር ዜግነት ስለ ዝህቡ ኣብ መጻኢ ንሱዳን ዓቢ ስግኣት እዩ ብምባል ዜግነታዊ ግቡኦም ንምንፋግ ኣብ ዝተፈኑሉ እዋን እዩ። በዚ መሰረት ኣብ ህዝቢን ንብረትን ዓቢ ክሳራ ወሪዱ ከምዘሎ ምንጭታት ራድዮ ስምረት ካብቲ ቦታ ይሕብሩ።

እዚ ብዘንቀሎ ኩነታት ኤርትራውያን ተወላዶ በኒ ዓምር ካብ ዝተፈላለያ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን ብምብጋስ ኣብ ጎኒ እቶም ሱዳናውያን በኒ ዓምር ተሰሊፎም ኣብቲ ግጭት ይሳተፉ ኣለዉ ። ዛጊት ካብቲ በጺሑና ዘሎ ሓበሬታ ካብ ቀቢላ ትግረ ኤርትራዊ ዝርከብዎም  ናይ 4 ሰባት ህይወት ክሓልፍ እንከሎ ብወገን ኑባ 41 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ ኣሎ፡ ብዘይካዚ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ዘለዎም ሰባት ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ወሪድዎም ከምዘሎ እቲ ምንጪ ወሲኹ ይሕብር። ንንብረት ብምዝልከት ልዕሊ 300 ዝኸውን ናይ ቀቢላ ኑባ ገዛውቲ ክነድድ እንከሎ ብኣምሳያኡ ልዕሊ 42 ገዛውቲ ተወላዶ ቀቢላ በኒ ዓምር ነዲዱ ኣሎ። ገለ ኣባላት ሰራዊት ሱዳን ደቂ ኑባ ኣብ ጎኒ ህዝቦም ደው ብምባል  ብነተጉትን ፈኲስ ብረትን ዝተሰነየ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ በኒ ዓምር ይፍጽሙ ኣለዉ። እቲ ረጽሚ ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ፡ እቲ ዘሎ ኩነታት ዘስገኦም ደቂ ካልኦት ቀቢላታት ኤርትራውያን ኣብ ጎኒ በኒ ዓምር ተሰሊፎም ይቃለሱ ከምዘለዉ እቲ ምንጪ ብተወሳኺ ይሕብር።  ብኣንጻሩ ካልኦት ቀባኢል’ውን ንተወላዶ ቀቢላ ኑባ ንምሕጋዝ ናብቲ ከባቢ ይውሕዙ ከምዘለዉ ምንጭና ይሕብር። ተወሳኺ ኣብ ዝበጻሓና ብቀጥታ ከነማሓላልፎ ምኹና ንሕብር።

ራድዮ ድምጺ ስምረት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *