ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር  ንኡስ ጨንፈር  ሞንሽን ጀርመን

ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ንኡስ ጨንፈር ሞንሽን ጀርመን ወርሓዊ ስሩዕ ኣኼብኡ ብዕለት 19/01/2019 አቃኒዑ። ኣኼባ ብዝኽረ ሰማእታት ድሕሪ ምጅማሩ ቀጺሉ ብዛዕባ ጉዕዞ ኩነታት ቃልስና ናበይ ገጹ ኣብ ትሕቲ ዝብል ዛዕባ ሰፊሕን ዝርዝራውን መግለጺ ተዋሂቡ። 
  ንሕና ከም ህዝቢ ሃገርና ኤርትራ ብኽብሪ ጀጋኑ ሰማእታትና ዝመጸት ሃገር ኣሕሊፍና አይንህብን ጉጅለ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ሃገርና ክሸይጥን ልኡላውነትና ክደፍርን  አይነፍቅድን ሎሚ ከኣ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ንምዕቃብ ታሪኽናን ምውሓስ ሃገርናን ህዝብናን ከይተሓለልና ንቃለሰሉ እዋን እዩ ክብል ተሳታፊ እቲ ኣኼባ ብናይ ሓባር ድምጺ ኣስሚርሉ።  መሰል ህዝብና ክኽበርን ንህዝቢ ዘገልግል ስርዓት ንምህናጽን  ቃልስና ብናህሪ ክንቅጽል ኢና ድሕሪ ምባል  ንዓመተ 2019 ብሓድሽ ኣገባብን ኣወዳድባን ተወድብና ክንቃለስን ንመራሒ ህግደፍን ጉጅልኡን ንምእላይ ኣበርቲዕና ክንሰርሕን ኢና ድሕሪ ምባል ናይ መጻኢ መደባት ብምሕንጻጽ ናይቲ ዕለት ኣኼባ ብዝኽረ ሰማእታት ብዓወት ዛዚሙ።
ኤርትራን ኤርትራውነትን ንዘልኣለም ክነብሩ እዮም!
 ሓርነትና ናይ ግድን  እዩ!!

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *