መእተዊ

  • ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ መሰሉን ክብረቱን ሓርነቱን ንኣስታት ሓደ ፍርቂ ዘመን ተቓሊሱ ኢዩ። ኣብ ቀዳማይ መድረኽ 1940-
    1961 ብሰላማዊ፣ ዲሞክራስያዊ መንገዲ፡ ኣብ ካልኣይ መድረኽ 1961- 1991 ብረታዊ ተጋድሎ ኣካይዱ። ድሕሪ’ዚ ዘይሕለል
    መሪር ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ነቲ ዘይሕለምን ዘይሕሰብን ዝመስል ዝነበረ፡ ሃገራዊ ናጽነት ኣብ 24 ግንቦት 1991 ክውን ጌርዎ። እዚ
    ህዝቢ ብዘካየዶ ዘይዕጸፍ፡ ጽንዓትን፡ ትእምርትን ኣብ ምዕራፋት ካብቶም ንፍትሒ ዝተኻየዱ መስተንክራዊ ቅያታት ክስንድ
    በቒዑ ኢዩ። እዚ ታሪኻዊ ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ ሓበን፡ ንኣህጉርና ኣፍሪቃ ኩርዓት፡ነታ ትማሊ ጸማም እዝኒ ዝሃበትና ዓለም
    ትምህርቲ ኢዩ። ነቶም መሰልን ድሌትን ሓርነትን ጎስዮምን ረጊጾምን ክግብቱን ክጎብጡን ዝመጹ ዓመጽቲ ከኣ ዘይርሳዕ
    ዘልኣለማዊ ተግሳጽ ኢዩ ። ነቶም ምእንቲ መሰሎም ዝቃለሱ ዘለዉ ውጹዓት ከኣ ከይተሓለሉ ብጽንዓት ክቃለሱ፡ ቃልሲ
    ደኺመ ኢልካ ዝቋረጽ መንገዲ ዘይምዃኑ ዘመስከረ፡ ተምበርኪኹ ዝነብር ህዝቢ ከምዘየሎ ዘርኣየ ህያው ኣብነት ኢዩ።
    ህዝቢ ነዚ ንዘመናት ዋጋ ዝኸፈለሉ ቃልሲ፣ ዓወት ናጽነት ምስ ጨበጠ፡ ናጽነትና ኣብ ዓለም ሕጋውነቱ ንምልባስ፡ ልዑላዊት
    ሃገር ንምውናን፡ ነቲ ብቅልጽሙ ዘረጋገጾ ሃገራዊ ናጽነት ፡ ብመንገዲ ሪፈረንዱም 99.8% እወ ንናጽነት ብዘደንቅ ድምጺ
    ንዓለም ዳግም ዓወት ኣበሰራ።
    እንተኾነ፡ ከምቲ ዘራጊ ማይ እንከሎ ጽሩይ ማይ ዘይስተ፡ እቲ ኩሉ ገድልን ገደልን ሰጊርና፡ ማእለያ ዘይብሉ ሂወት ኣብ
    ብርኮም ዘስተንፍሱ ዕሽላት ከፊልና፡ ተሰዲድና፡ ብቓላት ንክትገልጾ ዝሕርብት ስቓይን መከራን ተቐቢልና ዝተረከብናያ ሃገር፡
    ዘይ ከም ባህግና፡ ጉጅለ ህግደፍ ንድሌትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ጸማም እዝኒ ብምሃብ፡ ናይ ስልጣን ጥምሖም ንምርዋይ፡
    እቲ ቅኑዕ ጉዕዞ ሓርነት ጨውዮም፡ ኣብ ክንዲ በሪ ክብረት፡ ባርነት፡ ኣብ ክንዲ ሰላም፡ በሪ ህውከት፡ ስደትን፡ ኣብ ክንዲ
    ምዕባለ፡ በሪ ድኽነትን ድንቁርናን ኣርሕዮም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ምቕጻልን ዘይምቕጻልን ኣውዲቖሞ ይርከቡ ። እቲ
    ንዘመናት ካብ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ዘየዕረፈ፡ ሎሚስ ሓሊፉለይ ኣብ ዝበለሉ ወቕቲ፡ እቶም ኣሚኑ ዝለኣኾም ውሉድ ብርኩ
    ዝኾኑ ደቀይ ዝበሎም፡ “ወጮ እንተገልበጥካዮ ወጮ” ኮይንዎ፡ እቲ ናይ ትማሊ ኣረጊት ምልኪ ጭቆናን ብሓድሽ ምልክን
    ጭቆና ተተኪኡ ይርከብ።
    ነቲ ኣፍራዪ ዜጋ ዝኾነ መንእሰይ፡ምንጪ ምዕባለ ሓደ ሕብረተሰብ፡ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ኣብ ዘይፍትሓዊ ኲናት ጠቢሱ
    ኣደዳ ሞትን ስንክልናን ጌሩዎ ከይኣክል፡ ሕጂ’ውን እንተኾነ ብስም ወፍሪ ልምዓት ጅሆ ብምሓዝ ብዘይ ብቑዕ ደሞዝ፡ምስ
    ኩሉ ግፍዕታን ጭቆናን ኣብ ወፍሪ ባርነት ተቆሪኑ፡ መሰሉ ተነፊጉ፡ ናብ ዝዛረብ መጽዓኛ ተቐይሩ ኣሎ።ከም ሳዕቤኑ ድማ
    ብኣሸሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ነዛ ዕሸል ውልዶ ሃገሮም ከየስተማቐርዋ እግሮም ናብ ዝመርሖም ብኣማኢት ኣሽሓት ቁጽሪ ናብ
    ስደት ይውሕዙ ኣለው። ኣብ በረኻታት ሰሃራን ሲናይን ማያት ማእከላይ ባሕርን ድማ ይጠፍኡ ኣለው። እታ ክሃንጽዋን
    ከልምዕዋን ሃረርታን ባህግን ዝነብሮም ኤርትራ ዳንዴርን ጻህያይን ኣብቊላ፡ ግራት ኳኺቶ ኮይናቶም ትርከብ። ወለዲ ከም
    ዘይወለዱ፡ ወላድ መኻን ኮይኖም፡ እታ ምውቕቲ ዝነበረት ስድራቤት፡ ቀዝሒ ወሪሱዋ፡ ዓድታት ባዲሙ፡ ገርሁ ቃዲሩ፡
    ሸማግለታት ጠዋሪ ስኢኖም፡ ምዉት ቀባሪ ስኢኑ፡ ኣዴታት ጠዋሪ ዘይብለን ጉልባበን ቀሊዔን ክልምና፡ሕጻናት ዓንጋሊ
    ስኢኖም፣ኣብ ጎደናታት ቀንፈዘው ክብሉ ይረኣዩ ኣለዉ።
    በቲ በሓትን ገባትን ናይ ቁጠባ መምሪሒኡ፡ህግደፍ ኩሉ ብሕታዊ ንግዳዊ ትካላት ኣዕንዩ፡መሃዝነትን ሓርኮትኮትን ኣደስኪሉ፡
    ሃገር ኣብ ናይ ድኽነት ዓዘቅቲ ተሸኺላ ትርከብ።ብሓፈሻ ኣታዊታት ውልቀ ዜጋ ኣንቆልቂሉ፡ቁጠባዊ ሃገር ኒሂሉ፡ ዝቕባበ
    ሰማይ ዓሪጉ፡ህዝብና ኣደዳ ጥሜትን ነዳይ መነባብሮን ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ሃገርና ሓያል ናይ ድርቅን ስእነትን ሓደጋ ኣብ ልዕሊ
    ህዝብና ኣንጠልጢሉ ከምዘሎ ዓለም ትምስክር ኣላ። ህግደፍ ግን ይሕጭጭን የላግጽን ኣሎ። ነዚ ብኩፖን ንሓንቲ ሕብስቲ
    (ባኒ) ክገዝእ ኣብ ሪጋ ቤት ሕብስቲ ተዓኒዱ ዝወዕል ዘሎ ህዝቢ “ሓንቂቁ“ ተባሂሉ። ካብዚ ዝኸፍእ ብድዔን ኣሽካዕላልን
    ፍጹም ክህሉ ኣይንጽበን።
    ስምረት ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር – ESMNS – إتحاد الحركة الإرتریة لإنقاذ الوطن Page 5
    ውጽኢት እቲ ሃዋኽን ተናኻስን ባህርያቱ፡ ምስ ኩሉም ጎረባብትና ተናቚቱ፡ ማእለያ ዘይብሉ መንእሰይ ኣብ ኩናት ጠቢሱ፡
    ስድራቤታት ኣዘኽቲሙ። ሃገር ኣዕንዩን ኣባዲሙን። ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ሳይንስን ቴክኖሎጅን፡ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ምዕባለ
    ዝረጋገጸሉ ዘሎ ወቕቲ፡ ኤርትራ ካብ ዓለም ንበይና ከም ደሴት ተነጺላ፡ ናይ ግብረሽበራውያን መናሃርያ ኮይና። ከም
    ውጽኢቱ ከኣ ሕብረተሰብ ዓለም ማዕቀብ ኣብ ዝባኑ ኣንቢርሉ ይርከብ። ህግደፍ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ተፈንፊኑ፡
    ናይ መንጠሊና ሕፍረት ተጎምጊሙ፡ ኣብ ናይ ፖለቲካ ሓሸውየ ይነብር ኣሎ። ህዝብን ሃገርን ተማሊእዎም ንክጸድፍ ጭርሖ”
    ንኺድ ጥራይ” ኣልዒሉ መንገዲ ጥፋኣት ኣቕኒዑ ኣሎ። ሃገር ከኣ ኣብ ሕሱም ቅልውላው ትርከብ። ህግደፍን ጉጅልኡን ነዚ
    ዕላማ ዓንተቦ፡ ሕድርን መብጽዓን ሰማእታት ጠሊሞም፡ ሃገር ክሃንጹ ዘይኮነስ የጽንቱን የዕንውን የብርሱን፡ ህዝቢ ይብትኑን
    ኣለው። እቲ ሃብቲ ሃገር ዝኾነ መንእሰይ ዘይብላ ሃገር፡ ሃገር ክትከውን ኣይትኽእልን ኢያ። ቀጻልነታ ከኣ ኣብ ሓደጋ ኢዩ።
    ስለዚ ነዚ ተጻይ ዕላማ ቃልስና ዝኾነ፡ ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመ፡ ሃገር ዘዕኑ ዘሎ ኣጽናቲ ጉጅለ ካብ ሱሩ ናይ ምምሓው ዕዮ
    ናይ’ዚ ወለዶ ኢዩ። ነዚ ክሳብ ሕጂ መወዳእታ ዝተሳእኖ መስዋእትን ስቓይን ህዝብና ከብቅዕ ግድን ክቃለስ ዘለዎ ካኣ፡እቲ
    ካብ ለውጢ ዝያዳ ዝርባሕ መንእሰይ ኢዩ። ተቓሊሱ ሓንቲ ዲሞክራስያዊትን ሓራን፡ ኩሎም ዜጋታት ብማዕረ፣ ብሰላም
    ዝነብሩላ፡ ልዕልና ሕጊ ዝረጋገጸላ፡ ኩሉ መዳያዊ ሓርነት ደቂ ሃገር ዝኽበረላ፡ብቁጠባ ዝማዕበለት ኤርትራ ዝሃንጽ ከኣ ንሱ
    ኢዩ ። ትማሊ ንብዙሓት ሕልሚ ዝነበረ ጋህዲ ዝገበረ፣ ሃገር ዘምጸኤ መንእሰይ ወለዶ ኢዩ።
    እቲ ሎሚ ሃገር ካብ ምብራስን ምብትታንን ዘውሕስ፡ ቀጻልነታ ዘረጋግጽ፡ ጨቆንቱን ረገጽቱን ስዒሩ ፍትሕን ሓርነትን ክውን
    ዝገብር፡ እዚ ናይ ሎሚ ወለዶ ኢዩ። እቲ ትማሊ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ዋጋ ዝኸፈለን ገና እውን ዝኸፍል ዘሎን ግቡእ
    ሃገራዊ ሓላፍነቱ ተዋጺቱ እዩ። እዚ ናይ ሕጂ ወለዶ ድማ ናይ ወለድኡ ታሪኽ ክሰርሕ ይሕተት ኣሎ። ስደት ስደት ምዃኑ
    ኣይተርፎን ኢዩ። ስደት ከኣ መፍትሒ ሽግር ሓደ ውጹዕ ህዝቢ ኣይኮነን። ትማሊ ኣብቲ ሕሱም እዋን፡ ስደት ጥራይ መፍትሒ
    ኢልና እንተ ዘይንቃለስ፡ እዛ ሎሚ ንዛረበላ ዘለና ኤርትራን ንዛረበሉ ዘለና ህዝቢ ኣይምሃለውን። ወዲ ሰብ ክብረቱ ኣብ ሃገር
    ኢዩ። ስደት መፍትሒ ዝኾኖ ህዝቢ ሓደ’ኳ ከቶ የልቦን። ምእንት’ዚ ነዛ ክብረትናን ሓበናን ዝኾነት ብከቢድ ዋጋ ከፊልና
    ዝረኸብናያ ኤርትራ ከይትጠፍእ፡ ከይትበርስ ኣብ ምድሓና ክንጓየ ይጽንሓለይ ዘይብሃሎ ናይ ቀዳምነታትና ቀዳምነት ክወሃቦ
    ዘለዎ እዋናውን ሃገራውን ዕማምና ኢዩ።
    ነዚ ህዝባውን ሃገራውን ዕማም፡ እሞ ከኣ ህጹጽ ጉዳይ: ብሰናይ ድሌት ምብጋስ በይኑ እኹል ኣይኮነን። ኣቐዲሞም ብዙሓት
    ነዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሃገር ናይ ምድሓን ዕማም ተዓጢቖምሉ ከምዘለው ብምግንዛብ፡ ነቲ ስጉሚ ቃልስ ከምቲ ዝድለ ከይስጉም
    ሓሊኹ ሒዝዎ ዝጽንሔ ጉዳያት ኣለሊና ክንምርሽን፡ ካብ ሕሉፍ ተሞክሮ ተማሂርና፡ ዝሓሸ ናይ ቃልሲ ባይታ ፈጢካ ሃገር
    ካብ ምጽናትን ምፍራስን ምድሓን ኢዩ። ነዚ ዕዮ ገዛ ክንሰርሕ፡ ምስ ዕላማና ዝሳነ፡ ንኹሎም ሓቀኛታት ሃገራውያን ዝሓቁፍን
    ዘሳትፍን ፖለቲካዊ ፕሮግራም፡ ስትራተጂ፡ ሓያልን ብሱልን ውዳቤ፡ ምዕቡል ዲፕሎማስን ጥበብን የድሊ ኣሎ። ዕላማ እዚ
    ሰነድ’ዚ” ናይ ስምረት ቻርተር” መርሓ ሕንጻጽ እዚ ምንቅስቃስ ኮይኑ፡ ከም ዲናሞን መነሃርያን ኮይኑ ዝመርሕ ሰፊሕ ሃገራዊ
    ዘሳትፍ ፖለቲካዊ ዲሞክራስያዊ ፕሮግራም ኢዩ።