ዝኽሪ ፈንቅል ናይ’ቲ ንሓይሊ መግዛእቲ ዘምበርኸኸ፡ ደቁ ዝሃበ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ !!

ካብ ኣብ ዓለም ዘለዉ ዉሑዳት ህዝብታት ጸረ መግዛእቲ ተቃሊሶም ዝተዓወቱ ሓደ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብስርዓታት ገዛእቲ ኢትዮጵያን ዘራያቶምን ዝተመንጠለ፡ ርስቱ፡ ክብረቱን መሰሉን ክመልስ፡ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዘይሕለል፡ ዘይጥበር፡ ንድሕነት ዘይምለስ ቃልሲ ኣካይዱ እዩ። ኣብ’ቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ንከባቢ 20 ዓመታት ዝኸዉን፡ብሰለማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንመሰሉን ሃገራዊ ናጽነቱን ተቃሊሱ እዩ። ነቲ ናይ ነጻነት ሕቶ ክምልሽ ብሰለማዊ መንገዲ ዘካየዶ ዘይሕለል ቃልሲ፡ ናይ’ቲ ግዜ’ቲ ዝነበሩ ዘራያት ሓይልታት ጸማም እዝኒ ሰለዝሃብዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ምርጭኡ ናብ’ቲ ጫፍ ብልሒ ናይ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝኾነ ጎነጻዊ ብረታዊ ተጋድሎ ክጽመድ ኮይኑ ኢዩ።
ዝተዓመጽ ፡ ርስቱ ዝተመንጠሉ ፡ ክብረቱ ዝተደፈረ ህዝቢ፡ ነቲ ኩለንተንኡ ክዘመትን ክረግጽን፤ ከም ህዝቢ ህላዉነቱ ክብርስ ዝተሃንደደ ናይ ባዕዲ ሓይሊ፡ በቲ ዝርድኦ ናይ ቋንቋ ስነ ሞጎት ሓይሊ ክገጥሞ ግድን ኢዩ። ከምኡ ክንዲ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ሕርይኡ፡ ነቲ ርስቱ ክዘምት፡ መሬቱ ክግበት፤ ባህሉን ቋንቁኡን ክህስስ ዝመጸ ህንዱድ መግዛእቲ ብጎነጽ ብረታዊ ቃልሲ ክገጥሞ ግድን ኮነ።

ህዝቢ ኤርትራን ምዑታት ደቁን፡ ነቲ ብገዛኢ ሓይልን ዓንገልቱን ኩለንተንኡ ንምድምሳስ፡ ዝተካየደ ኩሉ ዓይነት ዉዲታትን ሸርሕታትን ንምፍሻል፡ ናብ’ቲ ነዊሕን መሪርን እታ መተካእታ ዘይብላ ሂወት ዝኽፍሎ ብረታዊ ቃልሲ “ዓወት ወይ ሞት” ብዝብል ጭርሖ፡ ርስቶምን ክብረሞን ካብ መንጋጋ ዓመጽቲ ክምጥሉ ወፈሩ። ኣብ’ቲ ንሰላሳ ዓመታት ዝወሰደ ብረታዊ ተጋድሎ፡ ህዝቢ ኤርትራን ዉሉድ ብርኩ ዝኾኑ ሓርበኛታት ደቁ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስድሪ መሬት ናይ ኢድ ብኢድ ናይ ተሓናነቕ ግጥም፤ ንመግዛእቲ ሓይሊ ክዕረት ኣብ ልዕሊ ስዕረት እንዳሽኸሙ ፡ ድሕሪ’ቲ ናይ ሰላሳ ዓመታት መሪርን ዘይሕለል ተጋድሎ፡ ክቡር መስዋእትን ” ኤርትራ ሓንሳብ ንሓዋሩን” ካብ ግበታ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ክትወጽእ ኮይና ኢያ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ መሬቱ ክግብት፡ ክብረቱ ግሂሱ ክረግጾ ዝፈረዶ፡ ዓመጸኛ ገዛኢ ሓይሊ፡ ኣብ መወዳእታስ ናይ ስዕረት ካባ ኣልቢሱ፡ ካብ’ታ ተፈጥሮ ዝዓደሎ ዘልኣለማዊት ርስቱ ክባረር ጌርዎ ኢዩ።

ኣብ’ቲ ናይ ሰላሳ ዓመታት ዝተካየደ ብረታዊ ተጋድሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኽ ንዘንተ ዕለት ዘይሃሱ፡ ማእለያ ዘይብሎም መስተንክራዊ ዓወታት ክሓፍስ ኮይኑ ኢዩ። ካብ’ቲ ናይ ሰላሳ ዓመታት ዝተኻየድ ደማዊ ውግኣት፡ ኣብ ልዕሊ መግዛእቲ ሰፍ ዘይብል ስዕረት ዘዉረደ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገራዊ ነጻነት ” ክዕወት ምዃኑ ብምልኣት ዘበሰረ ” ኣብ ምዕራፋት ዘካየድናዮ ተጋድሎ በሪ ዓወት ዘግሃደ፡ እቲ ኣብ ለካቲት 1990 ነታ ትንፋስ ናይ መግዛእቲ ሓይሊ ዝነበረት ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ሓራ ንምዉጻእ ዝተኻየድ ብዓወት ዝተዛዘመ ኩናት ሰርሒት ፍንቕል ኢዩ።

እዚ ዓወት ስርሒት ፈንቅል ህዝቢ ኤርትራ እቲ ብዘራያት ዘተነፍጎ፡ ልዑላዉነትን ክብረቱን ዝግለጸሉ፡ ሃገራዊ ነጻነቱ ብዘካይዶ ዘሕልል ተጋድሎን፡ መስዋእትን ተበጃዉነትን ክዕወት ምዃኑ፡ ነቶም ኣቀዲሞም ሕቶ ሃገራዊ ነጻነቱ ከይጎናጸፍ ዝዓንቀፉ፡ ብጸቢብ ረብሓታቶም ንምስሳይ ታሪኻዊ ጌጋ ዝፈጸሙ ሓያላት፡ ታሪኻዊ ጌጋታቶም ዳግም ክፍትሽ ዝገበረ ኢዩ።ኣብ ምዕራፋት ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ” እቲ ወሳኒ ምዕራፍ ናይ ምሉእ ነጻነት ኢዩ።” ድሕሪ ምሕራር ከተማ ባጽዕ ዕምሪ መግዛእቲ ናይ ኣዋርሕ ምዃኑ ብጭቡጥ ርጉጽ ኮይኑ። ኣብ 24 ግንቦት 1991 ዕምሪ መግዛእቲ ደርጊ ኢሰፓ ኣብ መሬት ኤርትራ ኣብቒዐ። ኤርትራ ብደም ዉሉድ ከርሳ ዝኾኑ ጀጋኑ ዝኸፍልዎ ናይ ሂወትን ኣካላን መስዋእቲ ካብ ኣርዑት ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ወጸት።

ዘራጊ ማይ ከሎ ጽሩይ ማይ ስለዘይሰተ፡ እቲ ንጉዕዞ ሰዉራ ኤርትራ መሪሑ ዝኣተወ፡ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር፡ ናይ ሎሚ ህግደፍ፤ ነቲ ብዘይትኣድነ መስዋእትን፡ መዳርግቲ ዘይብሉ መስገደላት ብምስጋር ዝተዋሕሰ ሃገራዊ ነጻነት፡ ከም’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝብሃጎም ዝተመነዮን ኣይኮነን። ህዝቢ ካብ’ቲ ፍረ ዓስቢ መስዋቲ ደቁን ቃልሱን ክቋደሶ ዝግብኦ ኩሉ ዓይነት ብረኸት ነጻነት ዝኾነ ሰላም፡ መሰል፡ ፍትሒ፡ ክብረት፡ ቁጠባዊ ምዕባለን ክረክብ ኣይከለን። ህዝቢ እቲ ድሕሪ ዓወት ፍንቅልን፡ ምድምሳስ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተመነዮ ኩሉ ክሃጎግ ኮይኑ ኢዩ።
ብስራት ዓወት ስርሒት ፈንቕል ካብ ዝካየድ እንሆ 29 ዓመታት ተቖጺሩ ኣሎ። ኣብ’ዚ ናይ ነዊሕ ዓመታት ጉዕዞ ድሕሪ ምድምሳስ ሓይሊ መግዛእቲ፡ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት፤ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ድሕሪ ነጻነት ክሓፍሶ ዝብሃጎ ኩሉ ጸጋታት ክሳብ ሎሚ ስዓት ክዉን ክኸዉን ኣይበቕዐን። መሰረታዊ ጠንቁ ከኣ እቲ ሰውራ መሪሑ ዝኣተወ ድሕሪ ነጻነት ህግደፍ ክብል ገዛእ ርእሱ ዘጠመቐ ኣካልን ጉጅሉን ኢዩ። እዚ ጉጅለ መራሒኡን ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ደቑ በጃ መስዋእቲ ብምግባር ዝዕወቶ ሃገራዊ ነጻነት፡ ምዉሓሲ ጸቢብ ረብሓታቶም ኽኸዉን ስለዝገበርዎ ኢዩ። ሎሚ ኣብ ባይታ ኤርትራ ምስ ንውከስ፤
 ህዝቢ መሰሉን ክብረቱን ተረጊጹ፡ ኣብ’ቲ ተቃልሲ ዘዉሓሶ ሃገር መሰሉ ክግሃስ፡ ክብረቱ ክቕንጠ፡ ብራዕድን ሽበራን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ብስግኣት ተኸቢቡ እግሩ መልኡ ዘይረግጸሉ ኩነትት ኢዩ። ህዝቢ እታ ብሕጊን ድግን ቁዋምንክትምራሕ ዝብሃጋ ሃገሩ፡ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ጭቆና ክትወድቅ ኮይና ኣላ። እቲ ምእንቲ መሰሉ ዝተቓለስ፡ ንሓርነቱ መዘና ዘይብሉ ዋጋ ዝኸፈለ ኣብ ዘቤታዊ ባርነት ክቁረን ኮይኑ ኣሎ። ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ናይ ዜቤታዊ መግዛእቲ።
 ኤርትራ ብተፍጠራዊ ጸጋታት ዝተዓደለት፡ ይትረፍ ንዜጋታታ ንኻልእ ትኸዉን፡ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ሕሱም ድኽነትን ጥሜትን ክኸዉን፡ ብማሕበረ ቁጠባዊ ቅልዉላዉ ክግረፍ ተፈሪዱ ኣሎ። ህዝቢ ብጥሜት ክዕጸፍ፡ ዉሑዳት ብጸጋታት ሃገር ክጋይጹ ይረክቡ።
 እቲ ብደምን መስዋእትን ዝተዋሕሰ ሃገራዊ ልዑላዉነት፡ ሃገራዊ ክብረትን ኣብ ትሕቲ ፍጹም ሓደጋ ክወድቕ፡ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ናይ ግዳም ሓይልታት መነሃርያ ይኸዉን ኣሎ። ኤርትራውነት ንምድምሳስ ዝተፈላለዩ ወስታታት ይቀላቀሉ ኣለው።

እዚ ካብ’ቲ ብዙሕ ውሑድ፡ እቲ መሬት ስዉኣትን ሃገረ ሰማእታት ብሓይሊ ብረት ዝገዛእ ዘሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝጠለመ፡ ሕድሪ ሰማእታት ዝኸሓደ ጉጅለ ጥፍኣት ህግደፍ ዝፍጽሞ ዘሎ ታሪኻዊ ገበናትን በደላት ኢዩ።
እምብኣርከስ፡ እቲ ሪም ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ገቢቱ፡ ሃገር ኣብ ትሕቲ ፍጹም ኩሉ ዓይነት ባርነት ክትወድቕ ዝገበረ፡ ባርባራዊ ጉጅለ፡ ብዓቢኡ ነቶም ምእንቲ ህዝቢ ካብ መግዛእቲ ክናገፍ፡ ጸረ ኩሉ ዓይነት መልክዑን ዓይነቱን ባርነት በጃ ዝወደቁ ሰማእታት ዝወደቕሉ ቅዱስ ህዝባዊ ዕላማ ኣብ ቅርዓት ዝጠለመ ጉጅለ፡ ኣብ’ቲ ዋንነቱ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ስርሒት ፈንቅል ጽምብላትን ዝኽርን ክገበር ዝኾነ ይኹን ሞራላዊ ሓላፍነት የብሉን። እቲ ኩሉ ዝካይዶ ናይ ሓሶትን ንፖለቲካዊ ሃልኪ ዝግበር ኢዩ፡፡ ምኽንያቱ ስርሒት ፍንቅል ኣብ ምዕዋት ዝወደቁ ሰማእታት ኤርትራ ፡ እቲ ዝተበጀዉሉ ዕላማ፤ ህዝቢ ኤርትራ ብሓርነት ክድበስ፡ ብሰላም ክነበር፤ ክብረቱን መሰሉን ብሕግን ስርዓት ክረጋገጽ ኢዩ። እቲ ዝተወደቕሉ ዕላማ ኣብ ኤርትራ ድክነት ካብ ስሩ ተማሕዩ ህዝቢ ካብ ስእነትን ጥሜትን ክናገፍ ኢዩ። እቲ ዝርሒቖም ዝርኣይዎ ራኢ ኤርትራ ብኹሉ መዳይ፡ ብዲሞክራሲ፡ ብምዕባለ፤ ብቁጠባዊ ዕቤትን ኣብ’ቲ ዝበረኸ ክትስቐል ኢዩ።

እንተኾነ ግን ኩሉ’ቲ ሰማእታት ኤርትራ ዝብሃግዎ፤ ብህግደፍ ተጠሊሙ ኢዩ። ዝጠለመ ከኣ ክምስልን ክሕሱን ከም ዝነበር ግድን ኢዩ። ስለ’ዚ ስርሒት ፈንቅል ዋንኡ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ኣብ ልብታት ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ንዘንቲ ዕለት ክነበር ኢዩ። ታሪኽ ስርሒት ፈንቕል ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራን ደቑን ስለዝኾነን። ነዚ ወርቓዊ ታሪኽን ዝኽርን ህግደፍ ብግብሪ ክሒድዎ ኢዩ። ዝኸሓደ ብሕግን ታሪኽን ክሕትት ግድን ኢዩ። ህግደፍ ከኣ ውዒሉ ሓዱሩ ክሕትት ምዃኑ ዘይተረፍ ኢዩ። ምኽንያቱ መግዛእቲ ህግደፍ፡ ብዘይሕለል ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስዓሩ ዘይተረፍ ስለዝኾነ።
እንተ ዝኽሪ ፍንቕል ግን ንዘልኣለም ክነበር ምስ ወለዶታት ኤርትራ ኢዩ።
11/ለካቲት/2018

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *