ግንቦት 24 ክዝክር፡ መን’ዩ ሞራልዊ ሓላፍነት ዘለዎ? ጕጅለ ህግደፍ’ዶ ደንበ ሓርነታውያን ተቓለስቲ? 1ይ ክፋል

ክንየው ግፍዕታት ጃንዳ ህግደፍን፡ ናይ ምጽናት ፖሊሲታቱን፡ ጠሚትና፡  ብርትዓዊ ዓይኒ፡ ብምኽንያትዊ ስነ-ሞጎት ክንዕይር እንተኽኢልና ፡  24 ግንቦት መን ይጸንብሎ፡ ዝብል ሕቶ መልሱ ኣጸጋሚ ክኸውን ኣይክእልን። ምኽንያቱ፡ ኣብደንበ ፍትሒ ዘለዉ ሓርነታውያን ተቓለስቲ፡ ልዕሊ ማንም ግዜ ዋንነት ግንቦት 24 ወሲዶም ክዝክርዎ፡ ሞራላዊ ሓላፍነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብባይታ ዝፍተን ዘሎ፡ ህግደፋዊ ውዲት፡ከነበርዕን፡ ልዕሊ ማን’ም ግዜ ዝኽሪ ሉኣላውነት ኤርትራ ሃገርና፡ ወነን’ቲ ንሕና ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ምዃንና፡ ደጊምና ንዅሎም ግዳማውያን ተዓዘብትን፡ቁንጮ ህግደፍን ነረጋገጸሉ ወቕቲ ኢዩ።


እምበኣር’ከስ፡ ግንቦት 24 ካብወለዶ ናብ ወለዶ ክሰጋገር ዘለዎ፡ ዝኽሪ ናይ’ቲ ኤርትራዊ ሉኣላውነት፡ ክዉን ንምግባር፡ ዝተኸፍለ ኩሉ ዓይነት ዋጋ፡ ህያው ኮይኑ፡ ብጋህዲ ዝተዛዘመላ ዕለት ኢያ።
ኣብ’ዚ ኣርእስ’ቲ እዚ፣  ንህዝብናን፡ ንማሕበረሰብዓለምን፡ ብፍላይ ከኣ ንዅለን፡ ኣብጎረቤትና ዘለዋ፡ሃገራትን ብሄራትን፡ ንጹር ክኸውን ዘለዎ ጕዳይ ኣሎ እንተኾይኑ፣ መሬታዊ ሉኣላውነት ኤርትራ ግምጃ  ናይ’ቶም ወፊርም ዘይኣተው፣ ግምጃ ናይ’ቶም  ፍርቂ ኣካላቶም ከፊሎም ዝሰንከሉ፣ ህያብ ናይ’ቶም ካብብሱል ጥረ ኮይኖም ዝወጹ፡ ሓርበኛታት ሓፋሽ ተጋደልትን፡ ናይ’ቲ ውሉዱ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይገንዘቡን ጥሪቱን  ዘወፈየ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራምዃና ምዝካሩ የድሊ። ኤርትራ፣ ንመላእ ሓፋሽ ህዝብና፡ ንኣስላማይን ንክስታናይን፣ ንዓብን ንእሽቶን ፣ንኽልቲኡ ፆታታት ብማዕረ ትብጸሖ ታሪኻዊት ህያብኵሎም ዜጋታት ኤርትራ ኢያ። እዞም ናይሕጂህግደፍን፡ ኣጋፈርቶምን ፡ንበይኖም ዘዐወትዎ ዕጥቃዊቃልሲ ኣይነበረን፣ ሕጂ’ውን እንተኾነ ፡ ብዊንታን ውዲትን ጕጅለ ህግደፍ ጥራይ፡ ዝፈርስን ዝድምሰስን፡ ሉኣላውነት  የልቦን። ምኽንያቱ፡ኤርትራ ውልቃዊት ንብረት ጕጅለ ህግደፍ ኣይኮነትን።

እምበሺ ጭፍራ ህግደፍ፡ ነ’ዚ ታሪኻዊ ዕለት ክዝክር ሞራላዊ ባይታ የብሉን። ምኽንያቱ ነ’ታ ብረዚን ዋጋ ዝተረኽበት ሃገር፣ ህዝባ በታቲኑ ናብስደት ዘባረረ፡ ናይ ወለዶ ጽንተት ዝሃንደሰ፡ ሕጂ’ውን፡ እንተኾነ፡ምስጎረቤት ሃገር ዘለዉ፡ ፖለቲካዊ ባእታት፡ ፖለቲካዊ ቃልኪዳን ኣሲሩ ዕድመ ስልጣኑ፡ ክመጥጥ ኣብዘዕለብጠሉ ዘሎ ወቕቲ፡ ኣምሰሉ ባህርያቱን፡ ናይ ብሕሶት ሃገራውነቱን ተኸሺሑ፡ ጡርሑ ኣብዝውጽኣሉ እዋን፡ ሃገር ኣብሓደጋ ምቕጻልን ዘይምቕጻልን ከተንጠልጥል፡ ውዲት ዝፈሓሰ፡ ገበኛ ጕጅለ፡ንይምሰል ብቐይሕ ጨርቀመርቂ ኣውረቕሩቑ፣ ብጓላን ዳንኬራን ክጽንብሎ እንተተሃንደደ፡ናይ ምትላልን ምዕሻውን፡ ፈተነ ምዃኑ ዘይፈልጥ ኣሎ እንተኾይኑ፣ እቲ ብበለጽን፡ ምስሉይነትን ዓይኒ-ልቡ ዝዓወረ ፣ ወይ ብጕጕይ ህልኽን ጽበትን፡ ዓፍትዩ፡ ዳስ ህግደፍ ከማሙቕ ዝተሰልበ፡ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ካልእ ማንም ክኸውን ኣይክእልን።

እምበኣርከስ ቅድሚ 60 ዓመታትት ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክነቅል ኢንከሎ ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን፣ ባህጊ ሞትን ከርተትን ማእሰትን ስንክልና ዝለዝነሮ ኣይኮነን። የግዳስ ከም ህዝቢ ብገዛእ ሕርይኡ መጻኢ ዕድሉ ከይውስን፡  ሰብኣዊ መሰሉ ተቐንጢጡ፣ ሓርነቱ ተጋሂሱ ፡ ብዘይ ፍቓዱ  ኣብ ኣርዑት መግዛእቲ መሳፍንቲ ኣምሓራ ክቑረን ስለዝተፈርደ ጥራይ ኢዩ።
መዛግብቲ ታሪኽ ከምዝምስክርዎ፡ ኣብ1884 ምዕራባውያን ሃገራት ፣ኣብከተማ በርሊን ጀርመን፡ ዋዕላ ኣካይደን ኔረን።ርእሰ-ንገር ናይቲ ዋዕላ ከኣ፡ ነ’ቲ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ  ዘስፋሕፍሕ ዝነበረ፡ ምዕራባዊ እንዳስትርያዊ ሰውራ( Western Industrial Revolution) ዝኸውን ሓይሊ ሰብ፡ ጥረ ነገራትን ማዕድናትን፡ ንምርካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ተመቃቒሎም ምሓዝ ወሰኑ ። ብመስረት ስምምዖም ከኣ እዛ ሃብታም ኣህጉር ኣፍሪቃ ከም ስጋ ጉዚ ተመቓቕልዋ፤ ረብሓታቶም ብዘውሕስ መንገዲ ሓደስቲ ግዝኣትን ዶባታን ሓንጸጹ። ኣህጉር ኣፍሪቃ ከኣ ተጎዛዝያ ግዝኣታት ኤውሮፓ ኮነት።
ኤርትራ ሃገርና ሓንቲ ካብተን ብሕንጻጽ ኤውሮፓዊ ግዝኣት ዝቖማ ሃገራት ኢያ።
ካብ 1890 ክሳብ 1952 ከኣ፡ ኣብ ትሕቲ ክልተ ምዕራባዉያን ገዛእቲ ዝተመሓደረት ሃገር ኢያ። ምስ ምዉዳእ ካልኣይ ኩናት ዓለም፡ እቲ ኤርትራ ከም ግዝኣቱ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዘመሓደረ፡ ባዕዳዊ ሓይሊ ጣልያን ኣብ መሬት ኤርትራ ምስ ተሳዕረ፤ እቲ ስዒቡ ዝመጸ ባዕዳዊ ሓይሊ ምምሕዳር እንግሊዝ ኢዩ። ኣብ እዋን ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ዝመኽርሉ ፖለቲካዊ ባይታ ስለዝረኸቡ፡ መጻኢ ዕድሎም ንምዉሳን ምዝታይን ምድርዳርን ጀመሩ።

እቲ ዕላማ ከኣ፡ ካብ መግዛእቲ ነጻ ዝወጸት ልዑላዊት ሃገር ክዉን ንምግባር ኢዩ ዝነበረ። እተኾነ ነ’ቲ ፈልሲ ኤርትራዊ ሃገራውነት ኣብ እግሪ ተኽሉ ንምቁጻይ፣ ብወገን እንግሊዝ ይኹን ፣ ሃጸይ ሃይለስላሰ ማእለያ ዘይብሉ ማሕለኻታትን፣ዉዲታትን ተፋሒሶም ስለዝነበሩ፣ ዳርጋ ኩለን ኣብትሕትቲ ኤውሮፓዊ መግዛእቲ ዝነበራ  ሃገራት ነጻነትን ክጎናጸፋ እንከለዋ፡ ናይ ኤርትራ ጉዳይ  ብፍሉይ ኣጀንዳ ተታሒዙ፡ ኤርትራ ከም መሽጣ ኣቅሓ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክትኣቱ ተወሰነ ። ብሓደ መዳይ ኢትዮጵያ ኣካል ክፍለ ግዝኣታ ክትከዉን ትሰርሕ፡ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ እንግሊዝ ኣብክልተ ክትምቀል ይፍትን ኔሩ፡ግብጺ’ውን ብዓቕማ ክትውንን ትምጉት ነበረት፡ ኮታስ ደረት ዘይብሉ ሽርሓታት ተፋሒሱ’ስ፡ ኣምሳይኡ ረዚን ዋጋ ኣኽፊሉና ኢዩ ። ከም’ቲ ኣማኻሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ  ኤመሪካዊ ስታንፎርድ ዝበሎ ግን ” ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ነጻነት ኢዩ ኔሩ ። እንተኾነ ግን ንሃገራዊ ረብሓና ክንብል ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈድረሽን ክትቁረን ወሲንና ይብል።” ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ፡ንምሉእ ነጻነት’ኳ እንተነበረ፣ ብዘይ ድሌቱ  ካብ ምዕራባዊ መግዛእቲ ናብ ጸሊም ኣፍሪቃዊ መግዛእቲ ክቁረን ተገበረ። ብዘይ ድላዩ፡ ንረብሕኡ’ዉን ዘይኮነስ፡ ንረብሓ ካልኦት ተባሂሉ፡ ከም ግኡዝ ኣቅሓ ንፖለቲካዊ መሽጣ ተሓረዡ ኢዩ።

እዚ ዉዲታት ተጓሃሂሩ ኣብ ዝካየድሉ ዝነበረ እዋን፣ በላሕትን ትኩራትን ኣቦታት፡ ነቲ ብዘይ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዝነበረ ፖለቲካዊ ሽርሕታት ንምዕጋት፡ እቲ ሓቀኛ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ንምንጽብራቅ ” ናብ ናይ ሎሚ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ” ናይ’ቲ ግዜ ሊግ ኦፍ ነሽንስ” (LEAGUE OF Nations)ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ መጋብኣያ ተሳቲፎም፡ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ነጻነት ጥራይ ምዃኑ ብተደጋግሚ ገሊጾም ኔሮምኢዮም፡፡ ዘይሕለል ሰለማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣካይዶ ኣይሰለጦምን፣ ነቲ ጸረ ድሌት  ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ውሳነ ምዕራባውያን ዝነጽግ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብመልክዕ ሰለማዊ ሰልፍታት ተቃዉሞ ኣካይዶም ኔሮም ፡፡ ኮይኑ ግን ሰማዒ ኣይረኸቡን።

ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ምርጫኡ፡ ብዘይ ድለቱ፡ ንረብሓ ካልኦት ክብሃል፡ ብዝርያ ሓያላት ተገዲዱ ፡ ኣብ ዓመት 1952 እታምዕብልትን  ዝሓሽ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምዕባለ ዝነበራ ኤርትራ ምስ’ታ ብፊዉዳላዊ ንጉሳዊ  ቤተስብ ትምራሕ ዝነበረት ናይ ሽዑ ኣብስንያ ናይ ሕጂ ኢትዮጵያ ክትቁረን ተገበረ። እቲ ብዘይ ድላይ ህዝቢ ኤርትራ ዝተገብረ ዉዕል ፈደረሽን ከኣ ኣብውሽጢ 10 ዓመቱ ብሓይሊ ጎበጣ ኢትዮጳያ ፈረሰ። ህዝቢ ኤርትራ ድሌት ነጻነቱ ብሓያላን ተነፊጉ፡ እቲ ብዘይ ሕርይኡ ዝተቖርኖ  ዓለምለኻዊ ዉዕል ፈደሬሽን ተጋሂሱ ኣብ ኣርዑት መግዛእቲ መሳፍንቲ ኣምሓራ ወደቐ ።

እምበርኣርከስ፡ ህዝቢ ኤርትራ እታ እንኮ ዝነበረቶ ምርጫ’ምበኣር ” ብሓደ ሓሳብ ኣብ ሓንቲ ዕላማ” ተወዲቡ ነታ ብዓመጽ ዝተነፍገቶ፡ ካልኦት ህዝቢታት ኣፍሪቃ ዝዓተርዋሃገራዊ ነጻነትን፡  ክብረትን ” ንምዉሓስ ብቃልስን መስዋእትን ጥራይ ምዃኑ ተገንዚቡ ኣብቃልሲ ክወፍር ተገደደ። ኩሉ ሰላማዊ ኣገባባት ቃልሲ ተፈቲኑ፡ ምዃን ምስኣበየ፡ የግዲ ኮይኑ ናይ ሓደ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ጫፍ፡  ብረታዊ  ቃልሲ ስለዝኾነ፡ ኣብ ዓመት 1958 ነ’ቲ ዓምጣሪ ኣካይዳ ሃጸይ ሃይለስለሰን፡ ዓንገልቱን  ኣቀዲሞም ዝተገንዘቡ ደቂ ሃገር ” ማሕበረ ሽዉዓተ” ሓራካ ” ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ዝብል ዉዳብ ተኺሎም ” መላእ ህዝቢ ኤርትራ ንምሉእ ነጻነት ክቃለስ ኣለዓዒሎሞ ኢዮም ። ድሕሪ ሰለተ ዓመት ከኣ ኣብ ዓመት 1961 ቅድሚ ወግዓዊ ምፍራስ ፈረደሽን፤ ነጻነት ወይ ሞት ዝብል ጭርሖ ዝሓዘ ውዳብ ‘ ተጋዳሎ ሓርነት ኤርትራ” ኣብ ሃገረ ግብጺ፡ ኣብ ከተማ ካይሮ ተተኽለ።

ብተባዕ ኤርትራዊ እምቢታ  ዝሰንበዱ ” ሃጸይ ሃይለሰለን ኣሳሰይቱን ” ነቲ ቁልዒ ቃልሲ ጋና ብዕሸሉ ከሎ ንምቁጻይ ዘይኩዓትዎ ጉድጓድ፡ ዘይፈንቀልዎ እምኒ ኣይነበረን፡፡ ባህጊ ኤርትራዊ  ቀንዴል ነጻነት ንምጥፋእ ጠበንጃን ፋረን  ተዓጢቖም ሰፊሕ ወፍሪ ተኻይዱ። ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዜጋታት ኣብ ኣደባባይ  ዘስኻሕኽሕ ማሕነቕትን፡ ምርሻንን፡ ብኣልማማ ዜጋጋትት ምጭፍላቕን ፡ ዓድታት ምቅጻል ቀጸሉ ። እዚ ኩሉ ሞራል ህዝቢ ንምስባርን ብራዕዲ ንምንብርካኽን ዝዓለመ ኢዩኔሩ ። ብሃጸይ ሃይለስለሴ ዝምራሕ ንጉሳዊ ምሕደራ ኢትዮጳያ ነቲ ኤርትራዊ ቃልሲ ንምብርዓን ፡ ዓሳን ንምጽናት ባሕርን ምንጻፍ ብዝል ” ናይ ዓቕሊ ጽበት ፖለቲካ” ብምኽታል  ነቲመልክዕና ዝኾነ ብዙሕነት ሕብረተሰብ ኤርትራ ብምስዋር፡ብሃይማኖት፡ ብኣዉራጃ፡ ብቐቢላ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከባልዑፈተኑ። ኤርትራዊ ሓድነት ንምቕርሳም ብዙሕ ጻዕሪ ገበሩ፡ኩሉ ግን ኣይሰልጠን። ማይ ሓቒኑ’ኖም ዳኣ ተረፉ።
እቲ ንንጉሳዊ ስርዓት ሃይለሰላሴ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ገልቢጢዝመጸ ” ወተሃደራዊ ስርዓት ደርጊ’ዉን እንተኾነ፤ ንሕቶ ነጻነት ኤርትራ ንምቕታል ” ኢትዮጵያ ትቕደም” ዝብል ጭርሖተኣንጕቱ” እዱድ ዘመተ ኣካይዱ። መሰል ነጻነት ኤርትራ  ከምክን ክሳብ ዓንቀሩ ተዓጢቑ ፡ ሓሽከት ሰራዊት ሒዙ’ወፊሩ ኢዩ ። የግዳ’ስ ኩምራ ሓጻዉኑን ፣ ሽሾ ሰራዊቱን፡ ከም’ቲ ኣብ’ቲ ኣብሰሃራ ከምዝፈሰሰ ጀሪካን ማይ  ብኤርትራዊሃገራዊ መንፈስ  ተዋሒጡ ተርፉ ኢዩ ፡  ኣብ ምወዳእታ ከኣኩሉ’ቲ ዕንደራን ፈኸራ መኺኑ፡ ሓሞኹሽቲ ኮይኑ። ባህግን ድሌትን ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ስዒሩ፡ ከም ወርቒ ብሓዊተፈቲኑ ደሚቑ ክወጽእ ኮይኑ ኢዩ።

ድሕሪ ናይ ፍርቂ ዘመን ዘይሕለል፡ ሰላማውን ዕጥቃውን ቃልሲ፡ ኣእላፋት ሂወትን፡ ሰንክልናል፡ ተኸፊልዎ፡ ኣብ ግንቦት24 1991 ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ ጎበጣን መግዛእቲ መሳፍንቲ ኣምሓራ ሓራ ኮይና። እቲ ክጠፍእ ዝተፈርደ ኤርትራዊ ሃገራዊፈልሲ፡ ከም’ቲ ምሩጽ ዘርኢ ሞይቱ ዝተንስእ ኣሽሓት ዝፈሪ፡ኤርትራዉነት ዳግም ተወሊዱ። እታ ኣቦታት ከይተጠፍእዝተቃለስሉላ ፡ ሕሩያት በጃ ኮይኖም ዝወደቁላ፡ ” ኤርትራዊት ሉኣላውነት ” ንዓለም ብዘደንቕ ጅግንነትን ተወፋይነትን፡ ኣብባይታ ተረጋጊጻ ኢያ።

ስለ’ዚ ግንቦት 24 ከም ሃገራዊ ብዓል ክንዝኽር እንከለና፡ እቲኣብ ኣእምሮና ዝዝከር እምብኣር፡ እቲ መንነትና ክብረትና፡ርስትና ንምዉሓስ ዝሓለፈናዮ፡ ናይ ፍርቂ ዘመን ጉዕዞ፡ዝኸፍልናዮ ረዚን ናይ ሂወትን ኣካልን ዋጋ ኢዩ።

ሕጂ ኣብ’ዚ ተኣፋፊ መድረኽ፡ ብፍላይ ከኣ ጕጅለ ህግደፍ፡ ባሕርናን ሉኣላውነትና፡ ኣብዋጋ ዕዳጋ ኣብዘእተወሉ እዋን፡ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ፡ ንሕና ሓርነታውያን ተቓለስቲ፡ ወነንቲ ዝኽሪ ግንቦት 24 ከምዃና ብዘይቃልዓለም ነረጋግጸሉ ኣጋጣሚ’ምበር ፡ ነ’ቲ ብምስሉይ ጕጅለ፡ነ’ቲ ናይብሕሶት ሃገራውነት፡ ተጎልቢቡ፡ ህዝብን ሃገርን ዘጽንት ዘሎ ናይ ጥፍኣት ጕጅለ ንገድፈሉ ኣብነት የልቦን። መንፈስን ትርጕምን፡ ናጽነት ኤርትራ  ዝቐትል ዘሎ ፡ ህግደፋዊ ውዲት፡ ዋንነት ግንቦት 24 የብሉን።

2ይ ክፋል
ግንቦት 24 ክዝክር መን’ዩ ሞራላዊ ሓላፍነት ዘለዎ? ጕጅለ ህግደፍ’ዶ ዋላስ ደንበ ሓርነታውያን ተቓለስቲ?
ክንየው ግፍዕታት ጃንዳ ህግደፍን፡ ናይ ምጽናት ፖሊሲታቱን፡ ጠሚትና፡  ብርትዓዊ ዓይኒ፡ ብምኽንያትዊ ስነ-ሞጎት ክንዕይር እንተኽኢልና ፡  24 ግንቦት መን ይጸንብሎ፡ ዝብል ሕቶ መልሱ ኣጸጋሚ ክኸውን ኣይክእልን። ምኽንያቱ፡ ኣብደንበ ፍትሒ ዘለዉ ሓርነታውያን ተቓለስቲ፡ ልዕሊ ማንም ግዜ  ዋንነት ግንቦት 24 ወሲዶም ክዝክርዎ፡ ሞራላዊ ሓላፍነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብባይታ ዝፍተን ዘሎ፡ ህግደፋዊ ውዲት፡ከነበርዕን፡ ልዕሊ ማን’ም ግዜ ዝኽሪ ሉኣላውነት ኤርትራ ሃገርና፡ ወነን’ቲ ንሕና ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ምዃንና፡ ደጊምና ንዅሎም ግዳማውያን ተዓዘብትን፡ቁንጮ ህግደፍን ነረጋገጸሉ ወቕቲ ኢዩ።

ግንቦት 24 ብወግዒ ዋንነት እንወስደሉ ምኽንያት’ምበኣር፡ዓለም ዝንፈገትና ኤርትራዊ ሉኣላውነት ክዉን ዝገበርናላ ዕለት ስለዝኾነት፡ ዋጋ ተኸፍልዎ ዝመጸ ናይ ሓደ መድረኽ ቃልሲ መዛዘሚ ስለዝኾነት ኢያ። እቲ ከቢድ መተካእታ ዘይብሉ፡ እንኮነገር ኣሎ እንተኾይኑ፡  መተመኒ ዘይብሉ ደመ ሂወት ኢዩ። ዕለተነጻነት 24 ግንቦት ጋህዲ ዝኾነት’ሉ እንኮ ምኽንያት’ውን፡ውሉድ ከርሳ ዝኾኑ ደቃ ስለዝኸፈለት’ዩ፤ ” ኤርትራ ሃገረይ ኣነብሂወተይ እንከለኹ፡ ኣይትድፈርን፡ ግዳይ ባዕዲ ኣይትኸውንን”ዋጋ ክኸፍል’የ፡ ብምባል፡ ኣዕጽምቶ ከስኪሶምላ፡ ደሞም ኣፍሲሶምላ ሓሊፎም፡ እታ መሬታዊት ናጽነት’ውን ህያው ኮይና ኢያ። የግዳስ ኤርትራ ክንብል እከለና እምብኣር እቲ መሬት ጥራይ ዘይኮነ እቶም ብሂወት ኣብዓድን ኣብስደትን ዘለና፣ ከምኡ’ውን ኣብ ከርሲ መሬት ዘለዉ ንሰለ ኤርትራዉነትዝሓለፉ ኣቦታት፣ ኣዴታታ ኣያታት ኢዮም። እምብኣከስ ግንቦት24 ተራ ዕለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ግንቦት 24 ናይ’ቲ ተፍጥራዊመንነትና ዝኾነ ኤርትራዊ ታሪኽ መግለጺ ኢዩ። ግንቦት 24ታሪኽ ኢዩ። ዘሐብን፡ ዘኹዕ ታሪኽ ኣቦታትና፡ ኣደታትናን ኣያታትናን ኢዩ። ጽንዓት ኢዩ። ንወለዶታት ክወራረስ ዘለዎ፡ጸላእቲ ዘምበርክኽ ዘይውዳእ ዕጥቂ ኢዩ። 24 ግንቦት፡ ናይኤርትራዉነት ልዑላዉነት ድባብ ምዃኑ ንምዝካር ኢዩ።

እቲ ኣብ 24 ግንቦት ዝተጋህግደ ኤርትራዉነት፡ ዝምሃረና እንተ’ልዩ፡ ነቲ ዘይከኣል ዝመስል፡ ከምዝከኣል ንምዝኽኻር፡ ኣብ ፈታኒ ግዜ፡ ጽዋግ ዘመን፡ ብግዚያዊ ጸገማትን ዘይምስናፍ፡ ሽዉዓተ ግዜ ወዲቕካ፡ ኣብ መበል ሻሙናይ ተሲእካከምትዕወት ዝምህር ታሪኽ ኢዩ። ዝኸበደ እንተኸበደ ፣ ብንቕሓት ፣ ብሓድነትን ተወፋይነትን ኩሉ ተጻብኦታት ከምዝስዓር ዝምህር ታሪኽና ኢዩ። 24 ግንቦት ዘዘኻኽርና ሓቂ’ምበኣር፡ ንብድሆታት ስጊርና፡ ንዘንጸላልዉ ሓደጋታት፣ ናብ ጽቡቅ ዕድል ንምቕያር ዓጸፋ ብምስራሕ፡ ዓጸፋ ከም ትዕወት ኢዩ።

ንሕና ኤርትራውያን፡ ብተፎጥራዊ ሃብትን፡ ጸጋታት ዝተዓደለት፤ ኳዕናን ሃገር ኣላትና። ቀዳሞት ኣቦታት ዘንበርዎ ዘተኣማምን መስረት ዘሎና፡ መበገስን መወከስን፡ ዝኸውንታሪኽ ንዉንን ህዝቢ ኢና።
ሓድነትና ከምቲ ዝድለ ኣብ ዘይሰጎመሉ ዝነበረ እዋን 1940ታትን 50ታትን፡  ሓድነትና ንምፍራስ፡ ማእለያ ዘይብሉ ሰይጣናዊ ዉዲት፡ ኣብ ዝፍሓስሉ ዝነበረ በዳሂ ዘመን፡ ኣቦታትና ሓድነቶም ብዝግባእ ኣዉሒሶም፡ ንኹሉ ዉዲታት ጸላእትን ተበለጽትን ኣምኪኖም ኢዮም። እዚ ጥበብ’ዚ ንኻልኦት ህዝብታት ዘይሃስስ ኣብነት ኢዩ። ከም ህዝቢ ሓድነትና ኣትሪርና፡ ንባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ብዘየዳግም ስዒርና ሉኣላዉነትና ዘረጋገጽ ህዝቢ ኢና። ኣብንቕሓትን ሓባራዊ ዕላማን ዝተነድቀ ሓድነት ዘይፍትሖ ሽግርን፡ ዘይስግሮ ግድላት ስለዘየሎ፡ ቀዳሞት ኣቦታት ነቲ ኩሉ ፍሕሶታት ጸላእቲ በቲኾም፡ ንድሕሪት ዘይምለስ ዝተወሃሃደ፣ ብግብሪ ዝተሰነየ ሓድነት ኣረጋጊጾም ኢዮም 24 ግንቦት ክዉን ጌሮሞ ሓሊፎም። ዓጽሞም ከስኪሶም ደሞም ኣፍሲሳሞ፡ ሃገረይ ጸላእን ባዕድን ኣይደፍረክን፡ እምቢ ንምግዛእቲ፡ እምቢ ንባርነት ምዝመዛን ኢሎም ሓሊፎም። ኣብታ መፍጠሮም ዝኾነ መሬት ኣቦታቶም፡ ንርስቶምን ክብረቶምን ወዲቆም፡ ኣካላ ኮይኖም ኢዮም። እንሆ ከኣኤርትራ ትብሃል ሃገር ህያው ኮይና ትነበር ኣላ።

የግዳ’ስ ዘይከም ባህግናን፡ ዕላማናን፡ ኣብ ቆፎ ቃልስና ተጸፍዩዝመጸ፡ ህግደፍ ዝብሃል ቁንጮ ፖለቲካዊ ነቐዝ፤ ንልዕሊ ርብዒዘመን ክኽተሎ ዝጸንሐ ናይ ውሽጥን ወጻእን መስመሩዝስሓተ፡ ምስ ድሌትን ባህግን ረብሓን ህዝቢ ኤርትራ ዘይቃዶዓንዳሪ ፋሉል ኣካዳ ኣብ ቅድመና ዓበይቲ  ሓደጋታት ክፍጠሩኮይኖም ኣለው።  ከም ህዝቢ ኣብ ቀራና መንገዲ ኣሎና፤፤ ነዛ ዕለት ክንጽምብል እንከሎና፡ እቲ ቀዳምነት ክቆረና ዘለዎ ጕዳይ’ምበኣር፣  ነጻነት ሃገረ ኤርትራ ብኹሉ መዳዩ፡ ኣብ ሓደጋይኣቱ ከምዘሎ ብዕቱብ ምፍላጡ ኢዩ። እቲ ከምእምኒ ዓረ ኮይኑ፡  ጸላእቲ ዘምበርከኸ፡ ንኹሉ ሽርሕታትን ውዲታትንጸላኢ፡ ከም በረድ ዘምከኽ ” ኤርትራዊ ሓድነት ፣ ሕጂ ዳግማይ ልዕሊ ማንም እዋን ብንቕሓትን ኣፍልጦን ከነዉሕሶ፡ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ብዕቱብ ኮፍ ኢሉ ክሓስበሉ ይግባእ።

ካብ ማንም ዘይንስሕቶ ” ኤትራዉነት ንምብራዝ፡ ነታ ብዓጽሚድምን ደቃ፡ ክውን ዝኾነት ኤርትራዊት ሉኣላውነት፡ ንምብትታን፡ ፋሕፋሕ ንምባል፡  ብኹሉ ኣንፈት ማእለያዘይብሉ ህቦብላ ይነፍስ ኣሎ። ነ’ዚ ኣእዛንና ከፊትና፡ ዓይንናቋሕ ኣቢልና፣ ብዕቱብ ክንምርምሮ ይግባእ። ዘለናዮ እዋንብኹሉ መዳዩ ዝህወጽ መድረኽ ኢዩ። እቲ ብሓይሊ ጠበንጃ፡ኣብ ስልጣን ህዝቢ፡ ተውጢሑ ዘሎ ቁንጮ ጉጅለ፡ ዕምሪስልጣኑ ንምንዋሕ ” ኤርትራዊ ሃገራዊ መንፈስን ሕልናን”ብመደብ ክሃርም ጸኒሑን ኣሎን። ካብ’ቲ ህግደፍ ዝፍጽሞዘሎ ብዘይሰንፈ ኣብ ደምበ ሰዉራና ዝተጸፍዩ፡ ብሽም ቃልስንፍትሕን ፖለቲካዊ ቁማር ክጻወቱ ዘምባህቁ፡ ታሪኽ ክደግሙዝሓልሙ፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝናፍቑ፡ ግዳማዊ ባህልን መንነትን ዘወጣውጡ፡ ኤርትራዊ ዜግነቶም  ዘስተናዕቑ  ይቕልቀሉ ኣለዉ።  እዞም ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ዘመነ መሳፍንቲ፡ ናብ ታኼላ ሃይማኖታዊ ምትፍናን ክሽኽልዎ ፣ ብጕልባብ ሃይማኖት ሓድሕዱ ከናቑትዎ ዝሓልሙ ንዱያን “ጽውጽዋይ ነበራየ ነበረ ዘቃልሑ”  መናፍቃን ፖለቲካ ብኹሉመዳይ የጭበርብሩ ኣለዉ፡፡ እዚኣቶም፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድዋጋ ከፊሉ ዘዉሓሶ ” ኤርትራዊ መንነትን፡ መሬታዊ ሉኣላውነትን ከፍርሱ ብሞቕሽሽ ከምፓፓጋሎ ቃላት ዝደግሙ ተለኣእኽቲ ህግደፋዊ ውዲት ኢዮም። ዘይወዓልዎም ዘይፈልጥዎን ታሪኽ ክድምስሱ፡ ናይ ዘመነ ኦሪት ጽጽዋያትዘሳስዩ ፋሉላት ኢዮም።
ኣብ’ዚ ኣርእስ’ቲ እዚ፣  ንሓፋሽ ህዝብና ፣ ጎረባብትናን ማሕበረሰብ ዓለምን፡ ብዘይማትእ ንጹር ክኸውን ዘለዎ ጕዳይ ኣሎ እንተኾይኑ፣ መሬታዊ ኣዋጅ ሉኣላውነት ኤርትራ፡ ግምጃ  ናይ’ቶም ወፊርም ዘይኣተው፣ ግምጃ ናይ’ቶም  ፍርቂ ኣካላቶም ከፊሎም ዝሰንከሉ፣  ግምጃ ናይ’ቶም  ካብብሱል ጥረ ኮይኖም ዝወጹ ሓርበኛታት ሓፋሽ ተጋደልትን፡ ናይ’ቲ ውሉዱ ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ገንዘቡን ጥሪቱን፡ከፊሉ ሰውራ ዝዓንገለ፡ሓላል ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ኢያ።
ብርትዓዊ መዐቀኒ፡ ሃገረ-ኤርትራ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ንኣስላማይን ንክስታናይን፣ ንዓብን ንእሽቶን ፣ ንኽልቲኡ ፆታታት ብማዕረ ትብጸሖም፡ ምኽንያቱ፡ ኤርትራ ከምዓለማ ብኢድ ፈጣሪ ዝተሰርሐት መሬት ኢያ። ነ’ዚ ክውንነት እዚ ዘይቅበልን፣ ክብሪ ዘይህብን ካብ’ቲ ህዝቢ ዘጽንትን ዝበታትን ዘሎ፡ ገባቲ፡ናይ ጥፍኣት ጕጅለ ዝፈልዮ ባህሪ የብሉን። ታሪኹ፡ መሰሉንመንነቱን ዘይተኽብረሉ ህዝቢ፡ ምእንታኻን ስለኻን ፡ይቃለስ ኣለኹ ክትብሎ ካብውጹእ ሓሶት ዘይርሕ ኣምሰሉነት ኢዩ።

ኣብመወዳእታ ከነምሓላልፎ ንደሊ መልእኽቲ እምበኣር፣ – ከምህዝቢ ብንቕሓትን ሓባራዊ መረዳእታን ሓድነትና ነዉሕስ።ንኹሎም ጸረ ሓድነትና፣ ፈላለይቲ ዝኾኑ ህቦብላኣተሓሳስባታት፣ ብተግባር፡ ብሓባር ፡ ብዘይ ንሓፍነትክንቃለሶም ምሕጽንታን ለበዋን ነሕልፍ።
ንቁሕ ሓድነትና’ዩ ዋሕስ ዓወትናን ቀጻልነትናን ኢዩ።

ቀንዴል፡ ሉኣላውነት ኤርትራ ኣይክትጠፍእን ኢያ። ግንቦት 24ወትሩ ብሓርነታውያን ተቓለስቲ ክትዝከር ኢዩ።

ኤርትራን ኤርትራዉነትን ሕገመንግስቲ ተኺሎም ክነብሩኢዮም ! !

ሓርነትና ናይ ግድን ኢዩ ! !

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *