ጽምብል 24 ግንቦት በዓል መበል 28 ዓመት ሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ማዓስከር ስደተኛታት ማይ-ዓይኒ

24 ግንቦት በዓል መበል 28 ዓመት ሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ማዓስከር ኤርትራውያን ስደተኛታት ማይ-ዓይኒ ብድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ። እቲ በዓል ብስነ-ጥበባዊ ትሕዝቶታት ነዚ በዓል ዝገልጹ ሙዚቃዊ ትርኢትን መደባት ሕቶን መልስን ዘጠቓለለ ኔሩ። ኣብ ነበርቲ’ታ ማዓስከር ዝረኤ ዝነበረ ሃገራዊ ስምዒትን ናይ ቃልሲ ወንን ነዚ ሎሚ ዝረኤ ዘሎ ንናይ ኤርትራ ልዕላውነትን ነጻነትን ሃገርነትን ዝኽሕድ ኣረኣእያታት፡ ዋጋ ከምዘይብሉን ትርግታ ልቢ ህዝብታትና ዝተረደኤ ከምዘይኮነን ዘብርህ’ዩ ኔሩ። ሬድዮ ስምረት ምስ ኣባላታ ኣብቲ በዓል ተሳቲፋ ኔራ ኣከባብራ’ቲ በዓል ኣብ ዜናታት ሬድዮ ስምረት ተኸታተሉ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *