መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ናብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ

ብመጀመሪያ እንቋዕ ብሰላም ናብ ሓድሽ ዓመት ኣብቃዓካ፡ ዓመተ 2022 ዓመተ ሰላምን ራህዋን ክኾነልካ ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ዘለዎ ሰናይ ምንዮቱ ብምግላጽ መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት የማሓላልፍ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ንዘመናት ዝኸፈልካዮ ዋጋ ልኡላውነት ሃገርካ ኣውሒስካ ከተብቅዕ እቲ ዝተረኽበ ናጽነት ብምሉእ ሓርነት ተሰንዩ ቀሲንካ ከይትነብር ኣደዳ ሕሰም ኮንካ ደቅኻ ዳግም ናብ ስደት ፋሕ ኢሎም ውሉድን ወላድን፡ ሓውን ሓውን ሓብትን ኮታ ብሓፈሻ ኩሉ ህዝቢ ተበታቲኑ ክነብር ተገዲዱ እዩ። ናይዚ ምኽንያት ካኣ እቲ ሕድሪ ሰማእታት ጠሊሙ ኣብ ስልጣን ዘሎ ቁንጮ ህግደፍ እዩ። ዓመት መጸት ብተስፋ ጥራይ ምንባር ካብ ትጅምር ነዊሕ ግዜ ሓሊፉ እኳ እንተኾነ ሽግርብ መከራን እንዳጎደለ ኣብ ክንዲ ዝኸይድ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳበኣሰ ክኸይድ ጸኒሑ ሎሚ ኣብ ጫፍ ጥርዚ ናይ ነጥበ መቐይሮ በጺሑ ይርከብ።

ኣብዛ ትማሊ ዘፋነናያ ዓመት ኩነታት ህዝብናን ኩነታት ቁንጮ ህግደፍን ከመይ ከምዝነበረ ምስ እንዕዘብ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን እቲ ጸረ ሰላምን ምርግጋእን ባህርያቱ ብግልጺ ዝተራእየሉ፡ ምስ መሻርኽቱን ኮይኑ ዝወለዖ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንዓለም ዘስደመም ህልቂት ህዝብን፡ ዕንወት ንብረትን ኣኸቲሉ እዩ። እንተኾነ ህዝቢ ትግራይ ብዝወሰዶ ሓያል መኸተ ስርዓት ህግደፍን መሻርኽቱን ቅስሞም ተሴሩ ኣብ ነብሰ ምክልኻል ከምዝጽግዑ ኮይኖም እዮም። ስርዓት ህግደፍ በቲ ዝኽተሎ ዓንዳሪ ባህርያቱ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ብምትእትታው ንህዝብና ዳግም ኣደዳ ሞትን ዕንወትን ጌርዎ እዩ። ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ኣብዘይምልከቶም ኲናት ኣትዮም ዝጠፍኡ ኤርትራውያን ብኣሽሓት ዝቑጸር ኮይኑ ገና ሕጂውን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ዋጋ ይኸፍሉ ከምዘለዉ ብዝተፈላለዩ ናይ መድያ ማዕከናት ዝግለጽ ዘሎ እዩ። ብኣንጻሩ ነዚ ስርዓት ህግደፍን መሻርኽቱን ዘካይድዎ ዘለዉ ዕንደራ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ዝርከብ ህዝብና ብዝተፈላለየ መልክዕ ይቃለሶ ኣሎ። ነባሪ ሰላም ክዋሓስን እቶም ገበቲ ስርዓታት ኢትዮጵያን ኤርትራውያን ክሳዓሩን ህዝብና ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ብምዃን ኩሉ ዝከኣሎ ይገብር ኣሎ።  ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዝምልከት፡ ህዝብና እቲ ኩሉ ናይ ስለላ መርበባት ከየፍረሖ ብኩሉ ዝካኣሎ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ደው ብምባል ናይ ዘይተምበካኽነት ባህሪኡ ኣርእዩ እዩ። ገለ ብተናጸል ገለ ካኣ ብሓባር ነቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ተቃውሞ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ብቃላቱን ብጽሑፋቱን ካብ ምግላጽ ሓሊፉ ኣብቲ ስርዓት ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ኣዕናዊ ኲናት ከይሳተፍ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ሃገር ገዲፉ ይስደድ ኣሎ።

ስምረት ምንቅስቃስ ኤርትራውይን ንድሕነት ሃገር ካብቶም ንስርዓት ህግደፍ ንምእላይ ቅድም ክብል ተበጊሶም ሕጂ’ውን ብዝላዓለ ደረጃ ዝቀሳቀሱ ዘለዉ ምንቅስቓሳት ሓደ እዩ። ስምረት ብመንእሰያት ዝቆመ ሓይሊ ኮይኑ ኣብ ኩሉ ናይ ዕደመ ክሊ ዘለዉ ዜጋታትና ዝሓቆፈ እዩ፡ ስምረት ምስ መሓዙት ውድባትን ምስ ካልኦት ናይ ለውጢ ሓይልታትን ኮይኑ ንስርዓት ህግደፍ ንምእላይ ዘይተሓለለ ጻዕርታቱ የካይድ ኣሎ። በዚ መሰረት ኣብ መወዳእታ ናይዛ ዝሓለፈት ዓመት፡ ምስቶም ኣብ ባይታ ዝርከቡ መቓልስቱ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ኣብ ምምስራት እጃሙ ኣበርኪቱ እዩ። እዚ ግንባር ነቲ ዝተበገሰሉ ዕላማ ንምዕዋት ኩሉ ዝከኣሎ ዘበለ ከምዝገብር ዳግማይ የረጋግጽ። ብተወሳኺ ንኩሉ ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝቐንዐ ተበግሶታት ብምምጓስ ብፍላይ ከኣ እዚ ተበጋጊሱ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበላት ማእዝናቱ ከይሰሓተ ኣብ ቃልሲ እጃሙ ንከበርክት ስምረት ዘይዕጸፍ ድጋፉ ብምሃብ ኣብ ምዕዋቱ ኩሉ ዝከኣሎ የበርክት ኣሎ። ስምረት ንስርዓት ህግደፍ ካብ ዝገጥመሎም መሳርሕታት ኣብ ሜድያ ዓቢ ጸብለልታ ኣለዎ። ስምረት ኣብቲ ዝዝርግሖ ናይ ረድዮ ይኹን ናይ ጽሑፍ መልእኽታቱ፡ ናይ ቃልሲ ወኒ ዘበራብሩ፡ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ቁልጭ ኣቢሎም ዘቃልዑ ዜናታትን ሓበሬታትን፡ ህዝብና ሓደነቱ ከትርር ዝጽውዑ መልእኽታት ኣብ ምሕላፍ ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን፡ እንታይ ዳኣ ነቲ ብቃል ዝብሎ ብተግባር ክፍጽሞ ኣብ ባይታ ወሪዱ ዝቃለስ ዘሎ ኣካል እዩ።

 

 

ክቡር ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ትርከብ ህዝብናን ሓይልታት ምክልኻልን፡ ብ እቲ ዘለኻዮ ኩነታት ዝኾነ ይኹን ኣካል መጽዩ ክነግረካ ኣይክእልን እዩ ብዓቢኡ ባዕልኻ ትነብሮ ስለዘለኻ፡ ካብዚ መከራ ክንወጽእ፡ ቀጻልነት ልኡላውነት ሃገርናን ድሕነት ህዝብናን ክዋሓስ ናይ ኩልና ተራ ምዃኑውን ኣይትስሕቶን፡ ዓመት መጸት ብተስፋ ካብ ምንባር፡ ብተግባር ነዚ ኣጽናቲ ጉጅለ ክንኣልዮ ዝያዳ ኩሉ እዋን ክንስምር ኣለና።  ሕጂውን ከም ቀደም ተቃሊስና እምበር ፈትዩ ሓርነትና ዝህበና ስለዘየለ፡ ነቲ ዘይክፈል ዋጋ ከፊልና ዝረኸብናዮ ናጽነት ሕጂውን ሓርነትና ብሉጽ ዋጋ ብምኽፋል ጥራይ ኢና ንረኽቦሞ እጃምካ ንክተበርክት ስምረት ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ጻውዒቱ የቕርብ።

ኣብ መወዳእታ ንኩሉ ደላይ ፍትሕን ሓርነትን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩሉ ዝከኣሎ ይገብር ከምዘሎ ዘይካሓድ ሓቂ እዩ። ጎኒ ንጎኒ እዚውን ሓድነትና ዘላሕልሑን ንቃልሲ ድሕሪት ዝምልሱ ኣተሓሳስባታት ጎሊሖም ይርኣዩ ኣለዉ። ቀዳምነት ድሕነት ህዝብን ሃገርን ህዝብን ብምስራዕ ናብቲ ቀንዲ ጸላኢና ከነተኩር ስምረት ጻውዒቱ የቕርብ።

ብምቕጻል ኩሎም መሳርዕ ስምረት ምስ ኩሎም መሓዙት ስምረት ኮይኖም ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ኣብ መወዳእታት ክበጽሕ ኩሉ ኣባል ኣበርቲዑ ክሰርሕ ስምረት ጻውዒቱ የቕርብ። ከምኡውን እቶም ኣብ መሳርዕ ስምረት ዝነበሩ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ደው ኢሎም ዘለዉ፡ ከምቲ ቅድም ክብል ዝወጸ ጻውዒት፡ ሕጂ’ውን ብሓባር ኮና እቲ ዝተበገስናሉ ዕላማ ኣብ መወዳእታኡ ከነብጽሖ ምስቲ ዘሎ ኣካል ተቐራሪብኩም ቃልስኹም ከተሐይሉ ዳግማይ ጻውዒትና ነቕርብ።

 

ርሑስ ሓድሽ ዓመት

ኤርትራን ኤርትራውነትን ንዘልኣለም ክነብሩ እዮም!!

 

ሓርትርነና ናይ ግድን እዩ!!

 

ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር

1 ጥሪ 2022

Leave a Reply

Your email address will not be published.