መግለጺ ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ብኣጋጣሚ 24 ግንቦት ዕለተ ሃገራዊ ናጽነት፤

መግለጺ ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ብኣጋጣሚ 24 ግንቦት ዕለተ ሃገራዊ ናጽነት፤

ናጽነት ሃገርና ኤርትራ፡ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ብዝተኻየደ ዘይሕለል፣ ዘይጥበር፣ ንድሕሪት ዘይምለስ ናይ ወለዶታት ቃልስን ዝተኸፍለ ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ናይ ሂወትን ኣካልን መስዋእትን ድሕር’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፎ መዘና ዘይብሉ ገደልን መስገደልን’ዩ ተረጋጊጹ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ዘካየዶ ጸረ ባዕዳዊ መግዛእቲ መዳርግቲ ኣልቦ ዋጋ ከፊሉ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ዝሓፈሶ ታሪኻዊ ዓወት፡ ሕጋውነት ንምልባስ ኣብ 1993 ብመንጎኛታት ተወከልቲ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ዘካየዶ ረፈረንደም፡ ዲሞክራስያዊ ድምጹ ተጠቂሙ እወ ንናጽነት ብዝብል 99.8% ድምጺ ነቲ ብገዛእ ቅልጽሙ ዘውሓሶ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናይ ምብራር ዓወት ብውጽኢት ረፈረንደም ክድራዕ ጌሩ’ዩ። በዚ መሰረት ከኣ ነጻነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ሕጋውነት ለቢሱ፣ ሃገርና መበል 183 ኣባል ሕቡራት ሃገራት ብምዃን ተመዝጊባ። ህዝቢ ኤርትራ እቲ ብሓያላት ተዘርዩ ዝተነፍጎ መሰል ምምስራት ካብ ባዕዲ ነጻ ዝኾነት ልዑላዊት ሃገር ብቕልጽሙን ብድምጹን ክውን ብምግባር፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ጎይታ መሬቱ ክኸውን በቒዑ።

ናይ ሎሚ ዓመት 24 ግንቦት ከኣ ንመበል 29 ዓመት ዝኽሪ ታሪካዊ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ኮይና ትኽበር ኣላ። እዚ ታሪኻዊ ዓወት’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ባዕዳውያን ጎበጥትን ወረርትን ሃጸያትን ፋሽሽታውያን ሓይልታት ገጢሙ ዝተዓወተሉ፣ ንብዙሓት ተዓዘብቲ ሕልሚ ዝመስል ዝነበረ ጋህዲ ዝኾነሉ፣ ነታ ንሕቶና ጸማም እዝኒ ዝሃበት ዓለም የእዛና ክትኸፍት ዝገበረ፣ ቃልስና ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምናን ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ንፍትሒ ዝተካየዱ ቃልስታት ዕውት ኮይኑ ኣብ ብራናታት መዛግብቲ ታሪኽ ብዘይሃስስ ቀለም ክምዝገብ ዝገበረ ዓወት እዩ። እዚ ዓወት’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ተቃሊስካ ከም ትዕወት ንብዙሓት ጭቁናት ህዝብታት መርኣያን ኣብነትን ዝኾነሉ ፍሉይን ታሪኻውን ኣጋጣሚ እውን እዩ።

ዘራጊ ማይ ከሎ ጽሩይ ማይ ክስተ ስለዘይከኣል፡ ህዝቢ ኤርትራ ነታ ደቁ በጃ ከፊሉ፣ ደኺሙ፣ ተቃሊሱን ኣቓሊሱን ዝረኸባ መስተንክራዊት ዓወት ሃገራዊ ነጻነትን ምውሓስ ልዑላዊት ሃገርን፡ ዘይከም ባህጉን ሕልሙን ብሰላም፣ ብፍትሒ፣ ብምዕባለን ቅሳነትን ከስተማቅራ ኣይተዓደለን። ኣብ ውሽጢ መስርሕ ቃልሲ፣ ኣብ ክቱር ባህጊ ናጽነት ግሩህ ልብታት ህዝብን ሓፋሽ ተቃላሳይን ተጸፍዩ ዓዲ ዝኣተወ ድቂ ፋሽሽትነት መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ናይ ሎሚ ህግደፍ፡ ንኹሉ’ቲ ዝተኸፍለ ዋጋ ጠሊሙ፣ ብዘይ ፍቃድ ህዝቢ ብሓይሊ ብረት ምልካዊ ዙፋን ገቢቱ፣ ንኩሉ ጸጋታትን ዕድላትን ንበይኑ ብሒቱን ሓዚኡን፣ ኩሎም ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክዓንዉን ክባድሙን ብምግባር፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጸላምን ባርነትን፣ ኣብ ሕሱም ራዕድን ፍርሕን፣ ኣብ ዓሙቅ ድኽነትን ድንቁርናን ክሽከል ብምግባር፡ ነቲ ዓቢ ተስፋን ሃንቀውታን ህዝቢ ድነ ጸላም ከዲኑ፣ ኤርትራ ከም ሃገር ብኩሉ መዳይ ክትዳቀቕ፣ ህዝቢ ግዳይ ኩሉ ሕሰምን ኣደራዕን ክኸውን ፈሪዱ፣ ህዝብን ሃገርን ኣብ ቀራና መንገዲ ሞትን ሕውየትን ክወድቁ ጌሩ ኣሎ።

መበል 29 ዓመት ዝክሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነትን ልዑላውነትን ኣብ ንዝክረሉ ዘለና እዋን፡ እቲ ኣተኩሮ ተዋሂብዎ ክፍተሽ ዘለዎ’ምበኣር ጉዕዞ ዝሓለፉ 29 ዓመታት ኩነታትና ከመይ ከም ዝነበረን ከም ዘሎን፣ መጻኢ ጉዕዞና ናበይ ገጹ ምዃኑን ዝምርምር ሕቶ ክኸውን ይግባእ። ካብ ማንም ዘይተኸወለ፣ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነትን ግሁድ ሓቅን ከም ዝምስክሮ፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይ ፍቃድ ህዝቢ ኤርትራ ብሓይሊ ብረት ስልጣን ገቢቱ ዘሎ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፉ 29 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዕንወትን ብርሰትን እምበር ዝኾነ ይኹን ንህዝብን ሃገርን ዘርብሕን ዝጠቅምን ነገር ክፈጥር ኣይከኣለን። ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝግለጽን ዘይክወልን ሓቂ፡ ገባቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዘን 29 ዓመታት ዝፈጠሮ ነገር እንተሎ ኩናትን ወረ ኩናትን፣ ስደትን ብርሰትን፣ ድኽነትን ዕንወትን ከምኡ’ውን ኤርትራ ካብ ምህላዉ ናብ ዘይምህላዉ ተምርሓሉ መንገዲ ጥፍኣት ምቕያስ እዩ። በዚ ህግደፋዊ ጸረ ህዝቢ ኣካይዳን ስራሕን ከኣ ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ክነብር ብዘይምኽኣሉ ብኣማኢት ኣሽሓት ንስደት ክወጽእ ተገዲዱ፣ ኤርትራ ከኣ ሰብ ኣልቦ ትኾነሉ ኩነት ተኸሲቱ እዩ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ከም ህዝቢ ቀጻልነትና ኣብ ፍጹም ሓደጋ ክወድቅ፣ ስድራቤታት ክበታተናን ሓረግ ወለዶታት ክበታተኽን ይኸውን ኣሎ።

እቲ ብዘይካ ጸቢብ ጉጅለኣዊ ረብሕኡን ናይ ስልጣን ዕድምኡን ካልእ ዝዓጦ ዘይብሉ ኣረሜን ጉጅለ፡ ነቲ ብቀጻሊ ዝቐርበሉ ናይ ህዝቢ ሕቶታትን ምሕጽንታን ነጺጉ፡ ሕጂ’ውን ነቲ ናይ ጥፍኣት መንገዲ መሪጹ፣ ህዝብን ሃገርን ተመላሊኡ ክጸድፍ ኩሉ’ቲ እኩይ ውዲታቱ ክፍጽምን ከተግብርን ይርከብ። እዚ ጸረ ህዝብን ተጻይ ህላወ ኤርትራን ዝኾነ ጉጅለ ካብቲ ዝፍጽሞ ዘሎ ዓበይቲ ሓደጋታት፡-

– ንኹሉ ዜጋ ካብ ዝዓበየ ክሳብ’ቲ ዝነኣሰ ኣብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ኣርዑት ባርነት ግዱድ ዕስክርና ቆሪኑ ህዝቢ ብድኽነት ክማስን ይገብር ኣሎ።

– ብሓደ መዳይ “ሰላም ኮይኑ” ኢሉ ይእውጅ፣ ተገልቢጡ ከኣ ኣብ ጽዑቅ ግፋ ክጽመድ፣ ናይ ኲናት ነጋሪት ክነፍሕን ንኲናት ዝዕድም ምትኩታዃት ክገብርን ይርከብ። ኣብ ኤርትራ ብስቱር ይኩን ብግሁድ ብጉልባብ ዶብን ልዑላውነትን ድባብ ኩናት ክፍጠር ይሰርሕ ኣሎ።

– ኣብ ዓለምና ዝተራእየ ወራር ቀታሊ ሕማም ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ናብ ኤርትራ ኣትዩ ህዝቢ ከየጽንትን ዓቢ ሓደጋ ከይፍጽምን ምእንቲ፡ ኣቐዲሙ ዘድሊ ምድላዋት ክገብር፣ ዘድሊ መከላኸሊ ከቕርብ፣ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ካብ ለገስቲ ክቅበልን መሰረታዊ መከላኸሊ’ቲ ሕማም ዝኾነ ማይን ሳሙናን ናብ ህዝቢ ክቕርብን ፍቃደኛ ኣይኮነን።

-ነቲ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃ ሓያል ጉድኣት ከይፍጽም ዘስግእ ዘሎ ኣንበጣ ምድረበዳ ንምምካት ኮነ ምህርቲ ሕርሻ ንምስሳን ዝኾነ ዓይነት ግብራዊ ዕዮ ከካይድ ድሌትን ቅሩብነትን የብሉን።

ገባቲ ጉጅለ ህግደፍ በንጻሩ ሓደ ካብ’ቲ ዝዓበየ ድሌቱን ዘገድሶን ሃብቲ ህዝብን ሃገርን ምዝማትን ፖለቲካዊ ዕምሪ ስልጣኑ ምንዋሕን እዩ። ከምኡ ክንዲ ዝኾነ ከኣ ንጸቢብ ጉጅለኣዊ ረብሓታት ክብል ብህላወን ቀጻልነትን ህዝብን ሃገርን ክጣላዕ፣ ኤርትራ ከም ሃገር ህልውንኣ ዘጥፍእ፣ ልዑላዊ ክብረት ህዝብን ሃገርን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእትዉ ውዕላት ኮኑ ስምምዓት ክፍጽምን ኣብ ክድምና ተዋፊሩ ኤርትራ ሃገርና ግዳማውያን ሓይልታት ኢዶም ከእትዉላ ማዕጾ ክኸፍትን፡ ጸኒሑን ኣሎን።  ገባቲ ጉጅለ ህግደፍ ብኹሉ መዳይ ነዛ መተካእታ ዘይብሉ ሂወት ተኸፊልዋ ዝተረኽበት ሃገር ናብ ዘይምህላው ይመርሓን ይደፍኣን ምህላው ንኹሉ ኤርትራዊ ክርደኦ ይግባእ።

ስለዚ ኣብዚ መበል 29 ዓመት ዕለተ ነጻነትን ልዑላውነትን ሃገርና ነኽብረሉ ዘሎና እዋን፡ እቲ ከም ህዝቢ ከገድሰና ዘለዎ፡ በዚ ንዝሓለፉ 29 ዓመታት ክንከዶ ዝጸናሕና ህግደፍ ዝቐየሶ መንገዲ ከም ሃገር ክንቕጽል ከም ዘይንኽእልን ህግደፍ ተሓላቒ ሃገራዊ ነጻነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ዝኾነሉ ዝኾነ ይኹን ሞራላውን ፖለቲኻውን ሓላፍነት ከምዘይብሉን ሓባራዊ መረዳእታ ምሓዝ እዩ። ኣብ ህላወ ህግደፍ ከም ህዝቢ ኣደዳ ምጽናት፣ ከም ሃገር ከኣ ግዳይ ዕንወትን ውድቀትን ንኸውን ምህላውና ብምርዳእ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሌና ተንጠልጢሉ ዘሎ ደበና ጥፍኣት ንኽንድሕን ከም ህዝቢ ብሓደ ድምጽን ብሓደ ቅልጽምን ኣንጻር’ቲ ንጥፍኣትና ዝተዓጥቀ ፋሽሽታዊ ጉጅለ ህግደፍ ጠጠው ክንብል ግዜ ይሓተና ኣሎ። ህግደፍ ኣብ’ዛ ሃገር ቕንጣብ ሓልዮትን ሕልናን ከምዘይብሉ እቲ ከም ህዝቢ ንሓልፎ ዘለና ዕለታዊ ሂወት ህያው ምስክር እዩ። ኩሎም መብጽዓታት ጉጅለ ህግደፍ ሓሶትን ናይ ምድንጋርን ምዃኖም ንኹሉ ጋህዲ ኮይኑ እዩ። ህግደፍ እቲ ዕለታዊ ዝፍጽሞ ተግባር፡ ህዝቢ ንምብስባስን ንምጭፍላቅን ዝዓለመ ምዃኑ ካብ ማንም ዝተኸወለ ኣይኮነን።

እምበኣር’ከስ ኣብዚ መበል 29 ዓመት ዝኽሪ ዕለተ ናጽነት ሃገርና ኤርትራ፡ ከም ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ከነሕልፎ ንደሊ መልእኽቲ እንተሎ፡-

– መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ካብቲ ዝሓለፈ ተመኩሩኡ ተማሂሩ፡ ህላውነቱን ቀጻልነቱን ከውሕስ፡ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ሓድነቱ ከስጥም፣ ንኹሉ በታንን ፈላላይን ውዲታት ጸላእትን ተጻባእትን ኣፍሺሉ ህላወኡን ቀጻልነት ወለዶኡን ከረጋግጽን ቀጻልነት ሃገሩን ልዑላውነታን ክወሓስ ኣብ መንገዲ ድሕነቱ ክሰምር ንጽውዕ።

– ደምበ ተቃውሞ ብፍላይ ከኣ ፖለቲካዊ ውድባትን ምንቅስቓሳትን፡ ዘለዎም ፍልልያት ኣጽቢቦም፣ ኣብ ዙርያ ምድሓን ህዝብን ሃገርን ኩሉ ዓቅምታቶም ጠሚሮም፣ ንእዋናውን መድረኻውን ሕቶታት ግቡእ ምላሽ ክህቡ፤ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ዓቕምታት ናይ ምጥማር ዘተ ሓላፍነት ብዝመልኦ ኣገባብ ብዘይ ምድንጓይ መደምደምታ ክገብሩሉ ንላቦ። ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ኣብ ምቛም ሰፊሕ ፖለቲካዊ ጽላል ደምበ ፍትሒ ኣወንታዊ ተራኡ ክጻወት ድሉው ከምዘሎ ከነረጋግጸልኹም ንፈቱ።

-መንእሰያት ኤርትራ ከም ተረኸብትን ተካእትን ወለዶ፡ ነቲ ዘሎ በዳሂ ኩሉ ዓይነት ሽርሕታትን ውዲታትን ብንቅሓት ሰጊሮም፣ ነቲ ብመዘና ኣልቦ ዋጋ ዝተዋሕሰ ሃገራዊ ነጻነትን ልዑላውነትን መሬታዊ ግዝኣት ሃገሮም ኣብ ትሕቲ ዝኾነ እዋን ዋሕስን ዋልታን ክኾኑ፣ ካብ ስምዒትን ህንዱድ ፖለቲካን ተኣልዮም ኣርሒቆም ክጥምቱን ተወዲቦም መስመር ቃልሲ ብምሓዝ ክቃለሱን ንጽውዕ።

ነጻን ልዑላዊትን ኤርትራ ተዋሒሳ ክትነብር እያ!!

ኤርትራን ኤርትራውነትን ንዘልኣለም ክነብሩ እዮም!!

ሓርነትና ናይ ግድን’ዩ!!

ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር

23 ግንቦት 2020

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *