መግለጺ ኤሃግ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ

ብምኽንያት ግንቦት 24 መዓልቲ ሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ
ብኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ)
ዝተዳለወ ውድባዊ መግለጺ
ግንቦት 24 1991 ሰንሰለታዊ ባዕዳዊ መግዛእታዊ ሓይልታት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ዝተወገዱላ፡ ባብ ሓዱሽ ምዕራፍ ሃገራዊ ነጻነት ዘበሰረት ክብርቲ ታሪኻዊት ዕለት እያ ። ስለዚ ከኣ 24 ግንቦት መስዋእትናን፡ ስንክልናናን ዝደበሰት፡ እዚ ሕጂ ንሓልፎ ዘሎና መሪር ሃለዋት ንድምቀታን ክብርታታን ዘየህሰሳ፡ ንዘንተ ዕለት ኣበሪኽና እንሰርዓ ድምቕቲ ሃገራዊ በዓልና ኢያ ።
እንሆ እዚ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዝተኻየደ ፖለቲካውን፡ ዕጥቃውን ቃልሲ ክልተ ወሎዶታት ኤርትራ እናተቐባበሉ ሰፍ ዘይብል መስዋእትን፡ ስንክልናን፡ ከምኡ ድማ ንብረትን ጥሪትን ዝገበርሉ ኮታ ኩሉ ዓቕምታት ሃገር ብሓደ ኣንፈት ኣንጻር ቀዳማይ ጸላኢ ብምቕናዕ ፡ እቲ ዘጋጥሞም ዝነበረ ውሽጣዊ ጸገማት ከይ በድሆም ካብ ጫፍ ንጫፍ ህዝብታት ኤርትራ ዘሰለፈት ታሪኻዊት ዕለት መዓልቲ ነጻነትና፡ ሕጂ ንመበል 30 ዓመት ኣብ ፍሉይን በዳህን እዋን ኰና ክነብዕላ ንሸባሸብ ኣሎና። ግንባርና ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ (ኤሃግ) ንመላእ ህዝብታት ኤርትራን ተቓለስቲ ደቁን እንቋዕ ንመበል 30 ዓመት ጽንብል መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ኣብጽሓኩም ክብል እንከሎ እቲ ሰውራ ኤርትራ ዘልዓሎ ጭርሖ “ኤርትራ ነጻ ከይወጸት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ኣይነግስን ኢዩ” ዝብል ምስ ርዝነት ናይ’ዛ ታሪኻዊት ዕለት ዝዳረግ ታሪኻዊ ሕድሪ ከም ዘሎና እና ኣዘኻኸረ ኢዩ ።
ዝኸበርኩም ውጹዓት ህዝብታትናን ተቓለስቲ ንደሞክራስያዊ ለውጥን፡ ብረታዊ ተጋድሎና ዘልዓሎ ጭርሖ ንባዕዳዊ መግዛእቲ ኣውዲቁ ኣብ ቦትኡ ሰላምን ፍትሕን ዝነገሳ ኤርትራ፡ ምዕባለን ግስጋሰን ዝመሰረቱ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ብምትካል፡ ኣብ ሃገርና ፡ ከባቢናን ፡ ዞናናን ዉሑስ ሰላምን ምርግጋእን ንምርግጋጽ ኢዩ ዝነበረ። እቲ ኣመት እቲ ባህጊ እዚ እዃ ይኹን እምበር፡ ኣብ እንግድዓ ህዝብታት ኤርትራ ተወጢሑ ኣብ ስልጣን ዝደየበን ዝበሓተን ጉጅለ ህግደፍ ኩሉ መሰላት ህዝብታት ኤርትራ ሓሪሙ ኣደዳ ፋሽሽታዊ ስርርዓቱ ድሕሪ ምግባር ህዝብታት ኤርትራ ብሓፈሻ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ንኹሉ ዓይነት ሕሰማት ተቃሊዖም ይርከቡ ። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ተስፍኦም ጸልሚቱ ኣደዳ ስደትን ዳግማይ ስደትን ኮይኖም እንሆ ስድራቤታት ባዲመን ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሉን ይርከብ ። እዚ ጭካነ ፋሽሽታዊ ስርዓት ህግደፍ ወይ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንህዝብታት ኤርትራ ላል ኣቢሉ እንሆ ሕጂ ድማ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ንኢትዮጵያ ድማ ብፍላይ ብምስሉ ክሰርሕ ምስ ኣቢይ ኣሕመድን ፋርማጆን ግንባር ፈጢሩ ጸረ ማሕበራዊ ግስጋሰን ፡ ምዕባለን ፡ ሰላምን ህዝብታት ከባቢና ብሓፈሻ ጸረ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብፍላይ ቅሉዕ ወራር ብምውላዕ ኣብ ዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት ዝሃነጽዎ ቁጠባዊ ምዕባለን ፡ ማሕበራዊ ግስጋሰን ንምብራስ ኩሉ እከይ ተግባራት እንዳገበረ ይርከብ ።
እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካይድዎ ዘለው ቅሉዕ ወራር ጭካነ ዝመልኦ ቅትለት ፡ ዓመጽ ፡ ኮነ ተባሂሉ ዝፍጸም ዘሎ ዕንወት ንብረትን ምዕባለን ፡ ከምኡ ድማ ኩሉ ዓይነት ግህሰት ፡ ሰብኣውን ፡ ዓለማውን ሕግታት ዝጠሓሰ ናይ ዂናትን፡ ጸረ ሰብኣውን ገበናት ኢዩ ዝፍጽም ዘሎ ። እዚ ድማ በቶም ግዳያትን፡ ናይ ዓለም ሰብኣውያን ማሕበራት ፡ ትካላት ፡ መንግስታትን ፡ ናጻ ኣካላትን ወግሐ ጸብሐ ኣሉ ዘይብሃል መርትዖታት ዘለዎ ርኢኻ ከም ዘይረኣኻ ክሕለፍ ብዘይከኣል መንገዲ ይንገረናን ይሕበረናን ኣሎ ንሕና’ውን ንርእዮን ንሰምዖን ኣሎና ።
ዝኸበርኩም ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራን ፡ ነዚ ፋሽሽታዊ ገባቲ ስርዓት ንምውዳቅ ትረባረቡ ዘለኹም ፖሎቲካዊ ውድባትን ነዛ ክብርቲ ዕለት ግንቦት 24 ንመበል 30 ዓመት ክንጽንበል ከሎና እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ኣእሙሮና ዝመጸእ በዚ ፋሽሽታዊ ገባቲ ስርዓት ህግደፍን ናይ ጭቆና መሓውራቱን ንዝሓለፉ ሰላሳ 30 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራ ከውርዶ ዝጸንሐ ሰፍ ዘይብል ወጽዓ ጥራይ ከይኣኽሎ ፡ እንሆ ሕጂ ድማ ኣብ ሓጺር ጊዜ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፋሽሽታዊ ግንባር ፈጢሩ ኩሉ ሕሱም ፡ ጨካን ተግባራቱ ንሕስያ ብዘይብሉ ከተግብሮ ለይትን መዓልትን ከይሰልከየ ዝረባረብ ዘሎ ። ኣብዚ ዘይ-ፍትሓዊ ናይ ወራር ኲናት የእትዩ ንመንእሰያትና የህልቆም ኣሎ ። ሃገር ድማ ሰባን ቁጠብኣን ትበርስ ኣላ ፡ ኣብ ምንቲ ምንታይ እንተተባህለ ስሱዕ ናይ ስልጣን ህርፋን ፋሽሽታዊ ስርዓት ኢሳያስ ንምርዋይን ከምኡ ድማ ሕዱር ቂሙ ንከውጽእ ዝገብሮ ዘሎ ኲናት እንተዘይኮይኑ፡ ህዝብታት ኤርትራ ካብዚ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኸውን ረብሓ የብሎምን ።
እሞ’ኸ ደኣ ኣብዛ ናይ ቃልስን ዓወትን ዝኾነት ክብርቲ ዕለት ግንቦት 24 መልሲ ህዝብታት ኤርትራን ፡ ተቓለስቲ ደቁን እንታይ ይኹን ? መልሲ ህዝብታት ኤርትራን ተቓለቲ ደቁን’ሞ ንቅድሚት ዝረኣየን ፡ ቆራጽን ክኸውን ይግባእ ንብል ። ንሱ ድማ እዚ ንሰላሳ ዓመት ኣብ እንግድዓና ተሰኪምናዮ ዝመጻእና ፋሽሽታዊ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ጸረ ምዕባለ ፡ ጸረ ሰላም ፡ ጸረ ሰብኣውነት ተግባራቱ ድከትና ዘስተየ ስርዓት ስለዝኾነ ሓንሳብን ንሓዋሩን ናብ ግብኣተ ሞቱ ምእታዉን ምቕባሩን ኢዩ ። እዚ ብምግባር ኣቢልና ነብስና ሓራ ብምውጻእ ንውጹዓት ህዝብታት ኢትዮጵያን ከባቢናን ብሓፈሻ ፡ ነዚ እሙን መሓዛ ፡ ጎረቤት ፡ ሓው ህዝቢ ትግራይ ድማ ብፍላይ ዝግብኦም ናይ ቃልሲ ደገፍ ክንገብር በዛ ክብርቲ ዕለት እዚኣ ቃል ክንኣትው ጥራይ ዘይኮነስ ንዝኣተናዮ ቃል ክውን ክንገብር ጽባሕ ዘይኮነስ ሎሚ ኢዩ ።
ኦ’ህዝብታት ኤርትራን ተቓለስቲ ደቁን ፋሽሽታዊ ስርዓት ኢሳያስን/ህግደፍን ድሕሪ እቲ ብ1998 ዘካየዶ ቀዳማይ ወራርን በዚ ተበጊሱ ዘርኣዮ እከይ ተግባራት ካብ ዓለምን ከባብን ተነጺሉ ነታ ሃገርን ህዝብን ተማሊኡዎም ክጠፍእ ድሕር ኣይበለን። ብድሕሪኡ ከም ዝወደቀ ስርዓት ኣብ ኣፍደገ ሞት ከም ዝነበረ ናይ ሕጂ ተዘክሮና ኢዩ። እዚ ስርዓት’ዚ ንክብሩ ክብል ዝኣተዎ እንተዘይኮይኑ ጉዳይ ህዝቢ ፡ ይኹን ሃገር ከም ዘይዓጦ ኣርእዩና ኢዩ ። ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ እተን 20 ዓመታት ኤርትራ ከም ሃገር ኣብ ፖለቲካውን ፡ ቁጠባውን ፡ ማሕበራውን ኩነታት ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ውድቀት ከም ዝጸንሐት ነጋሪ ዘይንደልየሉ እንፈልጦ ሓቂ ኢዩ ። ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሕመቕ ኢህወደግ ዝተለዓዓለ ህዝባዊ ዓመጽ ዝፈጠሮ ተጽዕኖ ስርዓት ኢህወደግ ኣብ ኩሉ ጽገናዊ ለውጥታት ክገብር ምስ ተቐበለ ናይ ሽዑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሃገረ ኤርትራ ዝንበረ ሽግር ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ነቲ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ከተግብር ምኻኑ እዉጅ ገበረ ። መልሲ ፋሽሽታዊ ስርዓት ህግደፍ ክልተ ቅነ ስቕ ኢሉ ድሕሪ ምቕናይ መጀመርያ ኣብ ሳዋ ወሪዱ ነቲ መንእሰይ ኣኪቡ ዝበሎ ቀዳመይቲ መኽፈት ኣፉ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ሕጽቦ ክነካይድ ኢና ዝብል ነበረ ። ቀጺሉ ድማ ገይም ኦቨር (Game over) ብምባል ኢዩ ነቲ ዝጀመሮ ቀጺሉሉ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝብሎ ዘሎ ድማ ኩሉ ዝፈልጦ ኢዩ ። ኣብዚ እቲ ቁምነገር ፋሽሽታዊ ስርዓት ኢሳያስ እንታይ በለ ንምዝንታው ኣይኮነን እንታይ ድኣ ነዚ ኣጋጣምን ፡ ዕድልን’ዚ ፋሽሽታዊ ስርዓት ኢሳያስ ንምንታይ ተጠቂሙሉ ምስ በልካ እተን ዕድላት ክልተ ኢየን ነይረን ። ንሳተን ድማ ፡
- ነቲ ዝተፈጠረ ዕድል ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቂምካ ነታ ሃገር ካብቲ ወዲቃቶ ዝነበረት ተነጽሎ ምውጻእ ፡ ከምኡ ድማ ካብቲ ኣጋጢሙዋ ዝነበረ ቁጠባዊ ድቀት ወይ ምርማስ ምውጻእ ወይ ምድሓን እዚ ብምግባር ኣቢልካ ድማ ነቲ ማሕበራዊ ሽግራትን ካልእን ንምፍታሕ ምቅላስ ኢዩ ። በዚ ዝጅምር ሰናይ ተበግሶ ድማ ኣብኡ ጠጠው ኣይምበለን እንታይ ደኣ ኣብ ፖለቲካውን ፡ ዲሞክራስያውን ሕቶታት ናይቲ ህዝቢ ፡ ሃገር ንምፍታሕ ኣፍደገ ምኸፈተ ።
- እቲ ካልኣይ መንገዲ ድማ ነቲ ዕድል ተጠቂምካ ቂምን ቅርሕንትን እንዳዘራእካ ወይ እንዳኣጎሃሃርካ ኣፍደገ ሰላም ፡ ሰናይ ጉርብትናን ምሕዝነትን እንዳዓጸኻ ሃርጓም ዝኾነ ኣካይዳ ሕቶ ስልጣንካን ቀጻልነት ስርዓትካን ንምፍታሕ ጥራይ ምርብራብ ። ፋሽሽታዊ ስርዓት ኢሳያስ ዝመረጾን ክሳብ ሕጂ ዝቅጽሎ ዘሎን ድማ እዚ ካልኣይ ምርጫ ኢዩ ። ስለዚ ኣካይዳ ፋሽሽታዊ ስርዓት ኢሳያስ ምልስ ኢልካ ክሳብ ሕጂ ዝኸዶ መንገዲ ክንርእዮ እንከሎና ሕቶ ህዝብታት ኤርትራ ኣይንታዩን ምኳኑ ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ ኮይኑ ንረኽቦ ።
ህዝብታት ኤርትራን ተቃለስቲ ደቁን! ፋሽሽታዊ ስርዓት ኢሰያስ/ህግደፍ እቲ ካልኣይ ምርጫ ኢዩ ወሲዱ ። እዚ ስለዝኾነ ምርጭኡ ድማ ኣብ እንግድዓ ህዝብታት ኤርትራ ተወጢሑ ዝገበቶ ፖለቲካዊ ስልጣን ተጠቂሙ ንህዝብታት ኤርትራ በቲ ጨካን ምሕደርኡ ክጭቁኖን ፡ ከጽንቶን ፡ ከድክዮን ተመጽዋቲ ክገብሮ ጸኒሑ። እዚ እንዳገበረ ሓደ ወለዶ ኣሰይጥኑ ብምስሉ ኣብ ኢትዮጵያን ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዕኡ ዝመስሉ ስርዓታት ክሰርሕ ፋሽሽታዊ ግንባር ፈጢሩ ዝረባረብ ዘሎ ። እቲ ሓቂ እዚ እንዳሃለወ ገለ ወገናትና ዘየለ መሰረት ዘይብሉ ዘረባታት እንዳ ፈብረኹ ነቲ ብልሒ ናይ ቃልሲ ንምጉዳም ከንቱ ጻዕሪ ከካይዱ ዝርኣዩ ዘለዉ ። ውጹዓት ህዝብታት ኤርትራን ፡ ተቃለስቲ ደቁን ክፈልጥዎ ዘለዎም እዚ መደናገሪ ዘረባታት’ዚ ንተባዕ ቃልስኻ ዘጉድም ስለዝኾነ ቅድም ቀዳድም ነዚ ኣልሚስካ ዘየዳግም ስዕረት ኣብ ልዕሊ ፋሽሽታዊ ስርዓት ኢሳያስ/ ህግድፍ ክተመዝግብ ይግባእ ንብል። እዚ ብምግባር ኣቢልካ ነብስኻ ሓራ ብምውጻእ ነጻን ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣንካ ንክትጭብጥ ዓቕምታትካ ኣሕቢርካን ኣወሃሂድንካ ተቢዕካ ተቓለስ ። እዚ እንተጌርካ ጥራይ ኢዩ ሕድሪ ስዉኣትካን ልኣላዊ ፖለቲካዊ ስልጣንካን እተውሕስ ።
ዝኸበርኩም ህዝብታት ኤርትራን፡ ተቓለስቲ ደቁን፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ዘይተፈትሐ መሰረታዊ ሽግር ኣብ ዕላማ ፡ ፈታውን ጸላእን ዘይምንጻር ፡ ኣገባብ ቃልሲ ወዘተ ፍልልያት ኣለዉና ፡ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ዘሎና ዝተሓዋወሰን ዘይነጸረ ተረድኦታትን ሓደ ካብቲ ቀንዲ ሽግር ኢዩ በሃልቲ ኢና ። ብተወሳኺ ኣብ’ቲ በብእዋኑ ናብ ውዑይ ቃልሲ ዝጽንበር ዘሎ ናይ ቃልሲ ሞተር ክኸውን ዓብይ ትጽቢት ዝግበረሉ መንእሰይ ወለዶና፡ ኣብ ናይ ህዝብታትና ሕቶታትን ዘላቂ መፍትሒታቶምን፡ ሕጽረት ቅኑዕ ተረድኦ ብሓደ ወገን ፡ ስምዒታውነት ድማ በቲ ካልእ ወገን ፡ ብሰፊሑ ክንጸባረቕ ክንዕዘብ ጸኒሕናን ኣሎናን። ከም ናይ’ዚ ድኽመታትና ውጽኢት ድማ፡ ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍን መሓዉራቱን፡ ብቕሉዕ ይኹን ብስዉር ፡ ነዞም ሕጽረታትና ንምዕሟቕ ይኹን፡ ካልኣውን ዘይ እዋናውያንን ኣጀንዳታት እናልዓሉ፡ ኣንፈት መኸተ ቃልስና ክዛባዕን ኣብ ዕንይንይ ወዲቕና፡ ዞርሞ ዞርሞ ክንተርፍ፡ ከይተሓለሉ ክብድሁና ጸኒሖምን ኣሎዉን ። ስለዚ ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ብሓፈሻ፡ ሞቶር ዲሞክራስያዊ ቃልስና ዝኾኑ መንእሰያትና ድማ ብፍላይ ፡ ናይ ህዝብታትና እዋናውያንን ዘለቕትን ሕቶታት ብግቡእ ኣለልዮም፡ ብህግደፍ ዝፍብረኹ ኣንፈት መኸተና ዘጥፍኡ ኣጀንዳታት ብምፍሻል ፡ ቀንዲ ቱኽረቶም ብቐዳምነት ኣንጻር ፋሽሽታዊ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ከቕንዕ ኣለዎ ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ሞንጎኦም ይኹን ምስ ነባራት ፖሎቲካዊ ሓይልታት ተቐራሪቦም ፡ ዕቱብ ዘተ ከካይዱ ፡ ናብ ጭቡጥን ዘድምዕን ናይ ቃልሲ ዕዮ ክሰጋገሩ ከምዘለዎም፡ ብኣጋጣሚ’ዛ ክብርቲ ዕለት ግንቦት 24 መዓልቲ ነጻነትና ውድባዊ መልእኽትና ነመሓላልፍ ።
ግንባርና ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ) ንዕለተ ነጻነትናን ልኣላውነትናን ግንቦት 24 ዘለዎ ኣኽብሮት እናገለጸ ፡ ነቶም ዘይተመልኡ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ዕላማታት ሰውራና ንምዕዋት፡ ንፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳያስን ጉጅልኡን ብቐዳምነት ብምውጋድ ፡ ብሰላማዊ መሰጋገሪ መድረኽ ኣቢልና ናብ ብህዝቢ ዝተመረጸ ዲሞክራስያዊ ስርዓት እንሰጋገረሉ ጥጡሕ ኩነታት ኣብ ምፍጣር፡ ምስ ኩሎም ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ተቐራሪቡ ናይ ቃልሲ እጃሙ ከበርክት ዘለዎ ድሉውነት ከም ወትሩ እናረጋገጸ፡ ደጊሙ ንኹሎም ህዝብታት ኤርትራን ፈተውቱን ዮሃና ይብል ።
ውድቀት ንፋሽሽታዊ ስርዓት ኢሳያስን ንሱ ዝፈጠሮ ናይ ወራር ግንባርን !
ቅኑዕ መስመርን ሓፋሽን ሒዝና፡ ንጽንኩር መድረኻት ብምስጋር ክንዕወት ኢና !
ክብርን ድምቀትን ን24 ግንቦት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ !
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑና ሰማእታትና !!
ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ) ግንቦት 24. 2021