መግለጺ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር(ኤሃግ) ብኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎና

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ክናገፍ፣ ወናኒ ክብረቱን ርስቱን ኮይኑ መጻኢ ዕድሉ ባዕሉ ዝዉስነሉ መሰል ከውሕስ ን20 ዓመታት ዘካየዶ ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ብዓሎቕን ዓመጽን ሓያላት ሃገራት፡ ንምሉእ ናጽነት ዝነበረ ድሌቱ ብምጉዕጻጽ፤ ብዘይ ምርጫኡ፡ ብውዕል ፈደረሽን ሓሊፉ፡ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንኽቑረን ዕዉር ፍርዲ ከምዝተዋህቦ ታሪኽ የዘኻኽረና። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ቄናን ፍርዲ ብምቅዋም “ናጽነት ወይ ሞት” ብምባል፡ ብመሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ካብ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ናብ ብረታዊ ተጋድሎ ብምስግጋር፡ በቶም ምዑታት ጀመርቲ ብረታዊ ተጋድሎ፡ ቀዳመይቲ ጥይት ሓርነት ብምትኳስ፡ ደወል ቃልሲ ጸረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣቃለሐ። እዛ ታሪኻዊት ዕለት ከኣ ህዝብና ነጻን ልዑላዊትን ሃገር ንምጭባጥ፡ ብረት ኣልዒሉ ዝወፈረላ ፍልይቲ ዕለት ኮይና፡ ኣብ ሰነዳት ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ብኽብሪ ተሰነደት።

ባሕቲ መስከረም፡ ህዝቢ ኤርትራ ንባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይጸዓድ፣ ርስቱን ክብረቱን መሰሉን ኣሕሊፉ ዘይህብ፣ ዋላ’ውን እንተተዘርየ ኣስተማሲሉ ኢዱ ዘይህብ ምዃኑ፣ መተካእታ ዘይብላ ሓንቲ ህይወቱ ከፊሉ እታ ዝተመነያ ናይ ባዕሉ ነጻ ልዑላዊት ሃገር ንምፍጣር ሽግ ነጻነት ኣልዒሉ ነጎዳ ሰውራ ብምንጉድጓድ፡ ነታ ጸማም እዝኒ ዝሃበቶ ዓለም፡ ንሃገራዊ ነጻነቱ ዘደናጕየሉ’ምበር፡ ንሓዋሩ ዝኸልኦ ምድራዊ ሓይሊ ከምዘየሎ፡ ብኳሕታ ብረት ዘስምዓላ ክብርቲ ዕለት ኢያ፡፡

ድሕሪ’ቲ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዝተኻየደ ዘይሕለል ቃልስን ዝተኸፈለ ኩሉ ዓይነት መስዋእትን፡ ጸረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተኻየደ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዓወት በጺሑስ ኤርትራ’ውን እንሀት ልዑላዊት ሃገር ኮይና። ሎሚ ባሕቲ መስከረም ክንዝክር ከሎና እምበኣር፡ ነቲ ቅድሚ 59 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ንበረኻ ክወፍር ከሎ ዝነበሮ ዕላማ፡ ብመንጽር ኤርትራ ትሓልፎ ዘላ ህልዉ ኩነት እና’ዛመድና ኢና።

ህዝቢ ኤርትራ መዘና ዘይብሉ ከቢድ ዋጋ ብምኽፋሉ፡ ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ዝኾነት ሃገር ትኹን ዳኣ’ምበር፡  ዘይከም ትምኒትናን  ትጽቢትናን እዛ ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፈላ ሃገርና፡ ፍትሒ፣ ሓርነት፣ ማዕርነት፣ ሰላም፣ ራህዋ፣ ከምኡ’ውን መሰልን ቅሳነትን ዝሰፈና ሃገር ክትኸውን ኣይከኣለትን። ብኣንጻሩ እታ ዝተመነናያን ኩቡር ዋጋ ዝኸፈልናላን ኤርትራ፡ ብውሑዳት ቁንጮ ተጨውያ ናብ ሓንቲ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ተቐይራ፤ ከም ህዝቢ ሰላም ተሓሪሙና፣ መሰልና ተገፊፉ፣ ክብርና ተደፊሩ፤ ከም ደቂ ዛግራ ንበታተንን ግዳያት ኣስካሕካሒ ግፍዕን ህልቂትን ንኸውንን ኣሎና።

ህሉው ምስሊ ናይታ ኣብ ትሕቲ ሕሱም ምልካዊ ምሕደራ ህግደፍ እትርከብ ሃገርና ኤርትራ፡ ፖለቲካዊ መዳዩ ምስ ንፍትሽ፡ ሃገርና ኣብ’ዚ መበል 21 ክፍለ ዘመን፡ ሓንቲ ካብተን ብዘይ ቁዋም፣ ብዘይ ግዝኣተ-ሕግን ንቡር ባይቶን፡ ብሕጊ ጫካ ዉሑድ ጉጅለን ብሓደ ውልቀ መላኽን እትምራሕ ሃገር ኮይና ትርከብ። ዜጋታት ሰብኣዊ ክብረቶም ተጋሂሱ፡  ዲሞክራስያዊ መሰሎም ተቐንጢጡ፣ ብራዕድን ሸበራን ተዋሒጦም፣ ብስግኣት ተኸቢቦም ክነብሩ ተፈሪዶም ኣለዉ። ህዝቢ ብሰላም ወፊሩ ብሰላም ዝምለሰሉ ዕድል ጸቢቡ፣ እፎይታ ተሓሪምዎ፡ ኣብ ናይ ኩናትን ወረ ኩናትን ሃለዋት ተጸሚዱ ወትሩ ኣብ ሻቕሎት ይነብር ኣሎ።

ብቐጠባዊ መዳዩ ምስ ዝርኤ ከኣ፡ ህዝብና ንድኽነትን ስእነትን ተቓሊዑ፣ ብሕሰም መነባብሮ ክማስን፣ “ኣጥሚኻ ግዛእ” ብዝብል ኣራዊታዊ ባርባራዊ ኣተሓሕዛ ክድሃኽ፣ ካብ መሰረታዊ ድሌታት ወጻኢ ካልእ ሕቶትታ ከይሓትት  ጽዑቅ ሰነ-እምራዊ ኩናት ተወሊዑዎ ይርከብ። ብፍላይ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ዝበዝሐ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ናይ መነብባሮ ሕሰም ተቖሪኑ፡ ብሓለንጊ ስእነትን ዓጸቦን ክግረፍ ተፈሪዱ፡ ከቢድ ናይ ሞት ሓደጋ ኣንጸላልይዎ ኣሎ። ነዚ ከም ጸሓይ ዝደምቕ፡ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይኑ ዘሎ ስእነትን ጥሜትን ሕሱም መነባብሮን ህዝብና፡ እቲ ጨካን ኣረሜን ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክሓብኦን ክኽዉሎን ክፍትን ምጽንሑ ዝፍለጥ’ኳ እንተኾነ፣ ሕጂ ግን ዜጋታት ብጥሜት ግዳይ ሞት ይኾኑ ከም ዘለዉ ክጋሃድን ክቃላዕን ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ መዳይ ማሕበራዊ ጉዳያት’ውን፡ ህግደፍ ነቲ ካብ ህዝቢ ክመጾ ዝኽእል ተቓዉሞ ንምፍሻል እቲ ከም ቀዳማይ ዕማሙ ዝሰርሓሉ ዘሎ፡ ሓድነት ህዝቢ ምፍራስ፣ ድሕረታት ብምጽሕታር ህዝቢ ሓድሕዱ ክተፋነንን፡ ኣብ ዘይመሰረታዊ ጉዳያት ክራጸምን ምግባር፡ ከምኡ’ውን ክቡር ባህሉን ጽኑዕ ክብርታቱን ክፈርስ፣ ዘይምትእምማን ሰማይ ክዓርግ ይገብር። ኣብ ማእከል ህዝቢ ጃሱሳትን ዕሱባትን ብምዉፋር፡ ዜጋታት ኣፎም ከይከፍቱ ንምሕራም ይሰርሕ ኣሎ። ኣብ ሃገርና ቅድሚ ሕጂ ተራእዮም ዘይፈልጡ ዘይንቡራት፣ ፍንፉናት ባህልታትን ኣተሓሳስባታት ክስዕርሩ፣ ክቱር ጭካነ ክነግስን፡ ጉቦን ብልሸዉናን ሰማይ ክዓርግን ኮይኑ ኣሎ።

ናይ’ዚ ኩሉ እኩብ ድምር ዉጽኢት፡ እዛ ቅድሚ 30 ዓመታት ከም ሃገረ ብተኣምራታዊ ቅያን ዓወትን ትግለጽ ዝነበረት ሃገር፡ ሎሚ ብግህሰት መሰልን ዉርደትን ደቂ ሰባት እትፍለጥ፣ ብምፍራይ ሰደተኛታት እትልለ፣ ኣብ ዓዘቕቲ ድኽነት ዝተሸኽለት፣ ብዂናትን ወረ ኩናትን ዝተሓመሰት፣ ካብ ልምዓትን ምዕባለን ዝረሓቐት፣ ኣብ ትሕቲ ሓደ ግኑን ውልቀ-መላኺ ተገዚኣ ብሕሱም ጭቆና እትሳቐን፡ ካብ ምህላዉ ናብ ዘይምህላዉ ገጻ ተምርሕን ዘላ ሃገር ብዝብል ትግለጽ ኣላ። እቲ ክዉን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ’ዉን ንሱ እዩ። ኤርትራ፡ ፍጡር ወዲ ሰብ ክነብረላ ተጸግም፣ ብሰንኪ ግዕዙይ ምሕደራ ቁንጮ ህግደፍ፡ ህዝባ ናብ ስደት ዝገዓዘ፣ ናይ ምቕጻል ዕድላ ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣተወት ሃገር ኮይና ትርከብ።

ሃገርና ብሰንኪ ምልካዊ ምሕደራ ህግደፍ፡ ኣብ ናይ ምቕጻልን ዘይምቕጻልን ቀራና መንገዲ ተንጠልጢላ፡ ኣብ እትርከበሉ እዋን ኴንና፡ ነዚ ከም ህዝቢ ብረት ኣልዒልና ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ዝጀመርናሉ ታሪኻዊ ዕለት ኣብ ንዝኽረሉ ዘሎና እዋን፡ ብፍሉይ ኣቃልቦ ክጥመቱ ዘለዎም፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጸረ ህዝቢ ጉጅለን ወልቀ-መላኺ መራሒኡን፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብሸም ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ክገብሮ ዝጸንሐ ዘሎን ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ብወግዒ ዝስማዕ ዘሎ፡ ንነጻነትን ልዑላዉነትን ሃገርና ኣብ ፈተና ዘእቱ መደረን፡ ብስዉር ዝስራሕ ዘሎ ከም ህዝቢ ክብርናን ልዑላውነትናን ዝግህስ ተግባራትን፡ ካልኦት ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ተኣፈፍቲ ጉዳያትን እዮም። ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ጥራይ ንዕላማታት ባሕቲ መስከረም ብሰንጣቅ ዝጻረሩ  መደረታትን ተግባራትን ተዓዚብና ኢና። ገለ ካብኣቶም ምጥቃስ፡

  • ምኽታም ንህዝቢ ብወግዒ ዘይተገለጹ ምስጢራውያን ዉዕላትን ስምምዓትን።
  • ብሰበብ ዶብ ኣብ ዝተወለዐ ኲናት ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ኣህሊቖም ክንሶም “ጉዳይ ዶብ ካልኣዊ እዩ” ብምባል ገሊጾም። ብቐደሙ’ውን እቲ ኲናት ብሰንኪ ዶብ ዝጀመረ ዘይምንባሩ፡ ብዘይ ሕፍረት ተገሊጹ። በዚ ከኣ እቲ ዝተኸፍለ ዋጋ፡ ዘይምኽኑይ ከምዝኾነን ድሌት ጸቢብ ጉጅለ ህግደፍ ንምምላእ ዝተገብረ ምዃኑን ተጋሂዱ።
  • “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ እዮም ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ እዩ” ተባሂሉ።
  • ጉዳይ ዶብ መዕለቢ ከይተገበረሉ ተንጠልጢሉ እናሃለወ “ኣይከሰርናን ንብረትና ኣምሊስና” ተባሂሉ።
  • “ሰለስተ ወለዶታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይ ምኽንያት ተፈላልዮም ጸኒሖም” ተባሂሉ። እዚ ማለት ድማ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ፋይዳ ኣይነብሮን ዘስምዕ እዩ።
  • እቲ ህዝቢ ኤርትራ ጎይታ ሃገሩን መጻኢ ዕድሉን ክኸዉን ዝተቓለሰሉ መሪር ብረታዊ ተጋድሎ ትርጉም ብዘስእን መንገዲ፡ ንቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ “ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና” ተባሂሉ።
  • ብሽም ሰላም ዶብ ተኸፊቱ፡ ብዘይ ወግዓዊ መግለጺ ተዓጽዩ።

እቲ ዝርዝር ብዙሕ እዩ። ብቐጥታ ክትርጎም ከሎ ግን፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተቓለስሉን፡ ምእንቲ ነጻነቱን ልዑላዊ ክብረቱን ዝኸፈሎ ዋጋን፡ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱን ንቃልስናን መስዋእትናን ዝድዉንን እዩ።

እምበኣርከስ  ሎሚ ኣብ’ዚ መበል 59 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልስና ንዝኽረሉ እዋን፡ እቲ ሓደ ብኣንክሮ ክንጥምቶ ዘሎና ጉዳይ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ብዘይ ሕርያ ህዝቢ ኣብ ስልጣን ዘሎ ገባቲ ጉጅለ ህግደፍን ውልቀ መላኺን ሒዞሞ ዘለዉ መንገድን፡ ዝኽተልዎ ዘለዉ ኣካይዳን፡ ነቲ ከም ህዝቢ ዝተቓለስናሉን ከሉ ዓይነት መስዋእቲ ዝኸፈልናሉን ጉዳይ ነጻነትን ልዑላዉነትን ብደም ዝተጠምዐ ሃገራዊ መንነትን ክብረትን፡ ኣብ ከቢድ ፈተና ዘእቱ፣ ከም ህዝቢ ክንጸንትን ክንበርስን፣ ከም ሃገር ክንዓኑን፡ ነበሩ ክንበሃልን ዝገብር ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ህጹጽ ፍታሕ ክንደልየሉ ኣብ ዝግበኣና እዋን ምህላውና ምርዳእ የድሊ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር(ኤሃግ)፡ ነቲ ህዝብናን ሃገርናን ዘለዉዎ ጭቡጥ ኩነታት ብምርዳእ፡ ነቲ ዉድዓዊ ኩነት ገጢምና፡ ህዝብን ሃገርን ካብ ጥፋኣትን ዕንወትን ክድሕኑ፡ እቲ ሓደን መተካእታ ዘይብሉ ጉዳይ፡ ኣብ ጭቡጥ ገምጋም ዝተሰረተ፣ ኣብ ንጹር ናይ ቀረባን ርሑቕን ዕላማታት ዝምርኮስ፣ ኩሉ ዓቕምታት ሰዉራ ግዜ ከይሃበ ክጥመር ምግባር ምዃኑ ይኣምን። ኤሃግ ከም ሰፊሕ ግንባር፡ እዚ ከም ህዝቢ ሕጂ ዘለናዮ ኩነታት፡ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ኣሰካፍን ህጹጽነት ዝሓትትን’ዩ ካብ ዝብል መረዳእታ ነቒሉ፡ ኩሎም ብጭቡጥ ኣብ ቃልሲ ዘለዉ ፖለቲካዊ ዉድባት ዝሳተፍዎ ሰፊሕ ፖሎቲካዊ ጽላል ክምስረት ክጽዉዕ ጸኒሑ እዩ። ከም ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር፡ ኣብ’ዚ ዕዙዝ ዕለት’ዚ ሓደ ኣረጊጽና ክንገልጾ ንደሊ ጉዳይ እንተልዩ፡ ሕጂ’ዉ እቲ ዘሎና ኣማራጺ ፖለቲካዊ ዉድባት ሃናጽን ንህልዉ ኩነታት መሰረት ዝገበረ ዘተን ልዝብን ክገብሩ፣ ነቲ ህልዉ ኩነታት ብግብሪ ዘግጥሞም ሓበራዊ ባይታ ክፈጥሩ ምግባር እዩ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር(ኤሃግ) ነቲ ዘለናዮ እዋን ዝምጥን ስምምዓትን  ዉዳበን ዕዉት ክኸዉን፡ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ድልዉነቱ ደጊሙ ክገልጽ ይፈቱ። ከም ግንባር እዚ እምነት’ዚ ብተደጋጋሚ ክንገልጾ ዝጸናሕና እዩ።

ኤርትራዊ  ሃገራዊ ግንባር(ኤሃግ) በዚ ታሪኻዊ ዕለት’ዚ፡ ናብ ህዝቢ ከሕልፎ ዝድሊ ነገር፡ እዚ ዘለናዮ እዋን ኣዝዩ ታሃዋስን ከም ህዝቢ ንህላወናን ቐጻልነትናን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ፡ ገባቲ ጉጅለ ህግደፍ ንህላዉነቱ ልዕሊ ህላወ ህዝብን ሃገርን ሰሪዑ፡ ምስ ትማሊ ዝስዓርናዮም፡ ኣብ ነጻነትናን ልዑላዉነትናን ዘይኣምኑ ሓይልታት ምስፍሕፋሕ ተሻሪኹ፡ ናይ ጥፍኣት ሓዊ ክጽሕትር፣ ብኻልእ መዳይ ከኣ፡ ልዑላዊ መሬት ሃገርና፡ መናሃርያ ናይ ግዳም ሓይልታት ክኸዉን ኣሕሊፉ ብምሃብ፡ ናይ ዓይኒ የብለይ ስኒ-የብለይ ዕሙት መንገዲ መሪጹ፡ ዳግም ንሞትን ጥፍኣትን ህልቒትን ዝዕድም ሽርሕታትን ዉዲታትን ተጸሚዱ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ ስርዓታትን መንግስታትን ዓለም ብጉዳይ ሕማም ቫይረስ ኮሮናን ሳዕቤናቱን ተሻቒሎም፤ ህዝቦም ንምድሓን ተጸሚዶም ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ገባቲ ጉጅለ ህግደፍ ግን፡ በንጻሩ ሕማም ኮሮና ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ብምዉሳድ፡ ህዝቢ ኩሉ ምንቅስቓሳቱ ሓሪሙ ክርገጥ ብምግባር፡ ግዳይ ሕሱም ጥሜትን ዓጸቦን ክኸዉን ፈሪዱዎ ኣሎ። ህዝቢ ካብ ኩሉ ንጥፈታት ተኾኒኑ፡ ዘይንቡር ክነብር፣ ሂወቱ ከይትሓልፍ ንብረቱን ዘለዎ ጥሪትን ክሸይጥን፡ ንዕለታዊ መግቢ ክምእርር፡ ብእግሩ ናብ ፈቀድኡ ክጉዓዝ ይርከብ ኣሎ። እቲ ጉዳይ እምብኣር “ተኾርሚኻ ሞት፡ ኣሳፊሕካ ሞት” ይኸዉን ሰለዘሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ እታ ዘላቶ ምርጫ፡ ኣንጻርቲ ንሞትን ጥፍኣትን ፈሪድዎ ዘሎ ጉጅለ ብሓባር ክትንስእ፡ ንህላዉነቱ ክልዓል፡ እቲ ስዓት ሕጂ ምዃኑ ክንሕብር ንፈቱ። ኣብ መወዳእታ፡ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ተመን ኣብ እግርኻ፡ እቲ በትሪ ኣብ ኢድካ ስለዝኾነ፡ ብኣጋጣሚ’ዚ ክቡር በዓል ዘየዳግምን ዘየጣዕስን ናይ ቃልሲ ምርጫ ክትሓሪ ንላቦ።

ንዘመናት ተምበርኺኹን ተጻዒዱን ዝነብር ህዝቢ ከቶ የልቦን ! !

ባሕቲ መስከረም ወትሩ ደሚቓን ተኸቢራን ትንበር!!

ብዙሕነታዊ ሓድነትና ውሕስነት ዓወትና!!

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ)

ባሕቲ መስከረም 2020 ዓ.ም.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *