ብምኽንያት መዓልቲ ስማእታት ዝቐረበ መግለጺ ኤርትራዊ ሃግራዊ ግንባር (ኤሃግ)

20 ሰነ ሰማእታትና አኽቢርና እንዝክረላ ክብርቲ ዕለት እያ። ሰማእታትና ምዝካርን ምኽባርን ማለት ነቲ ምእንቲ ልኡላውነት ሃገርናን ሰባአዊ ክብርናን ደሞክራስያዊ መሰላትናን ቁጠባውን ማሕበራውን፡ ብዓቢኡ ከኣ ምእንቲ ሰላም ዝተኸፍለን ዝኸፈል ዘሎን ከቢድ መስዋእቲ፡ ከም መስትያት አብ ቅድመና ኣምጺና ናይ ሕሳብ
ምውርራድ እንገብረላ ዕለት እያ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እቲ ኩሉ መዳያዊ ከቢድ መስዋእቲ ከፊልና ንፋሽሽቲዊ ስርዓት ደርጊ ምስ አወገድና፡ ህዝብና ቁሩብ መስተርሆ ከይረኸበ፡ ብቐጥታ ከይተፈልጦ አብ’ቲ ብድሕሪኡ ን30 ዓመት ዝአክል ዝቕጽል ዘሎ ናይ ርእሰ ፋሽሽቲ ኢሰያስን ስርዓቱን ዝሐሰመ መገዛእቲ’ዩ ተሳጋገሩ። እቲ ዝተአተወ መብጽዓታትን ብኹሉ ተጠሊሙ። ባህግታት ህዝብታትና ከም ንፋስ በኒኖም ተሪፎም። ህዝብና ኮነ
ተባሂሉ አብ ቀጻሊ ራዕድን ሽበራን ቀጻሊ ኩናትን ተማእዚኑ ክንብር ተገይሩ፡ ካብ ኩሉ ንነብሱ ፈሊጡ ንረብሕኡ ነጻ ኮይኑ ከይሓይስብ ጅሆ ተታሒዙ። ሃገርና ንህዝብታታ ናይ መሬት ሰኦል ኮይናቶም፡ ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡ አብ ምሉእ ዓለም ተሰዲድና ፍሕ ኢልና ንርከብ አሎና። አብ ሃገርና እቲ መባእታዊ ሰባአዊ መሰላትን ክብሪታትን ተሓሪሙና፡ ተሰዲድና አብ ዓዲ ሃገር ሰብአዊ ክብርና ከም እንደገና ክንላለዮን ክኽበረልናን ንግንዘብ አሎና። ብአጋጣሚ እውን 20 ሰነ ዝኽሪ መዓልቲ ስደተኛታት ዓለም ዝኽብረሉ ዕለት’ዩ። ስለ ዝኾነት ብኽሪ
ክንዝክራን ክነኽብራን ይግባእ። ስደት ከም ጊዝያዊ መዕቆቢ እምበር ከም መሰረታዊ መፍትሒ ኮይኑ ከይውሰድ ነማሕጽን።
አብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ህዚቢ ንዓለም ከቢድ ጾር ወይ ዕዳ ኮይንዋ ከምዘሎ፡ ጋህድ ኮይኑ ዘሎ ሓቂ’ዩ። እዚ
ተረኽቦ’ዚ ናይ ፋሽሽቲዊ ስርዓት እሰያስ (ህግደፍ) ዘፍረዮ ፍርያት እኳ ይኹን እምበር፡ ንሕና እውን ከም ህዝቢ
ብእኩብ፡ ከም ዜጋታት ድማ ብውልቀ፡ አብ ምንታይ ዓይነት ሕመቕ ተሸኺልና ከም ዝጸናሕናን ከም ዘሎናን
ብልክዕ ዘርኢ ስእሊ’ዩ። አብ ከም’ዚ ናይ ሎሚ ክቡር ማዓልቲ ሰማእታትና ብንጹር ከየናሕሰና አስሚርናሉ
ክንሓልፍ ዝግባእ ሃገራውን ሰባአውን ግደታና እዩ፡ ዝብል ጽኑዕ ናይ ግንባርና ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ)
እምነትና እዩ። እዚ ክንብል ከሎና ግን ነቲ ከም ቁልዒ ብልጭ ክብል ዝጸንሐን ዘሎን ናይ ፖሎቲካዊ ቃልሲ
ምልክታትን እዚ ብሕጂ ብናህሪ ዝምዕብል ዘሎ ህዝብዊ ምልዕዓላትን አወንታዊ ምዕባለን ተቛናጺቡ ክርኤ
ማለትና ከምዘይኮነ፡ ንአንባቢና ብግቡእ ክርድአና ነተሓሳስብ። ሕራነናን ቁጠዐናን ግን ነቲ ብፋሽሽትዊ ስርዓት
ኢስያስ (ህገደፍ) ዘውርደልና ዘሎ ሕስመ መከራን ዝመጣጠን ብቑዕን ዝተዋሃሃደን ኣብ ጊዚኡ መልሰ ተግባር
ዝህብ፡ ንጸላኢና ከሕሞ ብዝኽእል መጥቃዕቲ ዘዕርፍ ብተግባር ዝተሰነየ ቃልሲ ብቕኑዕ አንፈትን ንጽር ዕላማን
ተማእዚኑ ዝኸይድ ሃገራዊ ሓይሊ ስጋብ ሕጂ ዘይምፍጣርና’ዩ።
ስለዚ ካብ ዘሎናዮ ኩነታት ዘውጽእ መፍትሒ ከም መተካእታ ከነቕምጥ፡ ሓሳብን ግብርን ዝራኸብሉ ናይ ቃልሲ
ባይታ ብምፍጣር አቢልና፡ አብ ዝተነጸረ ዕላማ ሪዕምና፡ ንንቡር ሰባአዊ ክብርናን መሰላትናን አብ ቦትኡ
ክንመልስ፡ ንሃገርና ድማ ከምቲ ንቡር ናይ ሃገር ምስሊ ሒዛ፡ ዜጋታታ ክብርታቶም ተዓቂቡ፡ ብሃገራዊ ቅዋም
ክትማሓደር አብዝግበር ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ተቢዕናን ተወፊናን ክንቃለስ፡ እንደገና ሓሪናን ነቲ ቃልሲ አብ
ዝበረኸ ደረጃ ከነሳጋግሮ ቃልኪዳን ኣቲና ንምዕዋቱ ክንረባረብ ምሕጽታና ነቕርብ።
ሰማእታትና ነቲ ንሶም አብ ጊዚኦም ብዓቕሞም ክገብርዎ ዝግባእ ገይሮም ብጅግንነት ሐሊፎም እዮም። ዓመት
ከደ ዓመት መጸ ስም ሰማእታትና እናጸዋዕናን እናቆዘምናን አብ ፈቖዶ ጎደናታት ወጺእና ዓንገረር እንተበልና
እንመልሶ ነገር የለን፡፡ የግዳስ እቶም ሎሚ ብሂወት እንነብር ዘሎና ህዝባታታ፡ አብ ምንታይን አብ ከመይ
ኩነታትን ንርከብ አሎና? ስለምንታይ ከም ህዝቢ ክንጃጁ፡ ከም ሃገር ክንለምስ ተገይሩ? ንኹነታትና ንምቕያር
እንታይ ንገብር እሎና? ኢልና እንተ ሓሲብናን ተማራሚርናን እቲ መልሲ ርሑቕ ከይከድና፡ አብ ኢድና ከም
ዘሎ ከርእየና እዩ። ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ድማ አብ ከመይ ዝበለ ጽንኩር ኩነታትን ንዝኸፍኤ ሓደጋ
ተሳጢሕና ከም ዘሎና ባዕሉ ፈጢጡ ወጺኡ ዘሎ ነገር’ዩ። ስለዚ ንሕና ባዕላትና ከም ህዝቢ ሓላፍነት ተሰሚዑና፡
ነቲ ንዓመታት አብ እንግድዓና ተወጢሑ፡ ዘጽንተናን ዘልምስናን ታሪኽና ዝድውን ዘሎ ርእሰ ፋሽሽታዊ
ኢስያስን ስርዓቱን ንምውጋድ ከም ቀንዲ ዕዮ ገዛና ወሲዲና ምዑት ቃልሲ ከነካይድ ይግባና። እታ ንደልያ ሃገር
ከምቲ ህዝብታታ ዝድልይዎ ጌርና ክንሰርሓን ምዑት ምርብራብ ክንገብርን ዳግም መስዋእቲ ክንከፍልን ሕጂ
እውን ቁሩባት ኮና ክንርከብ ይህልወና። ስለዚ ናይ’ዚ እዋን’ዚ ዝላዓለ ቀዳማይ ጸላኢና ኣነጺርና፡ ንምልጋሱ ከም
ቀዳማይ ዕላማና ሰሪዕና፡ ንዕኡ ዘትግብር ግብራዊ ስርሒት አብ ምፍጻም ኢና ክንወፍር ዘሎና። አበይን? ብናይ
መን ደገፍን? ምስመን ኮና? ዝብሉ ካልአዊ ነገራት ብቕድም መጺኦም ዕንቅፋት ክገብሩልና አይግባእን
አይምሕረልናን እውን። ከም ተልመደን ናይ ቃልሲ፡ አብ ዕንክሊል ናይ ጸላኢና ክንዘውር ካብ ምንባር ወጺእና፡
ተባዕ ስጉምቲ ብምውሳድ አብ ሓድሽ ናይ ድሕነትና ምዕራፍ ክንሰጋገር፡ ግዚኡ ሕጂ እዩ። ስለዚ ዕዮ ገዛና
ባዕላትና ብጽፈትን ብስሉጥን ከነተግብር ስለ በቒዕና እንተ ዘይኮይኑ፡ ዓለም ካብ ትጽብየና ነሕ እዋን ሓሊፉ እዩ።
ነብሱ ዝፈለጠ ሕብረተሰብ ረብሕኡ ብግብእ ስለ ዝፈልጥ፡ ብኡ መጠን ከአ ምስ ዓለም ክህልወናን ክንረኽቦን
ዝግባና ሐገዝን ክንሓትት የጸብቕልና እምበር አይኽፍእን። ዓለም ድጋፋ እትገብር ነቲ ኩናታትና ባዕላትና
ብኸመይ ተታሒዝናዮ ከም ዘሎና ምስ ትዕዘብ ጥራሕ እዩ።
ስለዚ ጸላኢና ውልቀ መላኺ ኢስያስን ስርዓትቱን (ህግደፍ) ካብ ፋሽሽታውን ጸረ ህዝብታትን ባህሪኦም
ተበጊሶም፡ ናይ ዓለም ሕጊ ጥሒሶም፡ አብ ልዕሊ ጭቁናት ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሐፍሻ፡ አብ ልዕሊ ሐውን
እሙን መሐዛን ህዝቢ ትግራይ ድማ ብፍላይ፡ ብኹሉ ዝካአሎ ዓቕሙ ተጠቒሙ ሰራዊቱ አሰሊፉ ወራር አካይዱ
ኣሎ። አብዚ ናይ 8 ወርሐት ኩናት ዝካይድ ዘሎ ዘስካሕሕ ተግባራትን ናይ ኩናት ገበናትን ንማሕብረ ሰብ
ዓለም ኣስደሚሙን ኣገሪሙን ዘሎ ፍጻመ ኮይኑ ተረኺቡ አሎ። ንዓና ከም ህዝቢ ኤርትራ ከአ አብ ልዕሊ እቲ
ዝጸናሓና መሊሱ ተወሲኹና ጋዶ ረኽቢና፡ ነቲ አብ ሕሉፍ ታሪኽና ምእንቲ ሃገራዊ ነጻነትና ዝተኻየደ ቃልሲ
ምሳና ተሰሊፉ ዝተዋደቐ ብዕላምኡ ጽኑዕ ዝኾነ፡ ጅግና ህዝቢ ትግራይ ክጭፍጨፍን ክጸንትን አብ ትሕቲ ዝኾነ
ይኹን ምኽንያት ዘይንቕበሎ እዩ። ብአንጻሩ ምስ ውጹዕ ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፍና ከምታ ናይ ቀድምና አንጻር
ናይ ሓባር ጸላኢና ፋሽሽታዊ ስርዓት ክንስለፍ ዝገብር ኩነታት ተፈጢሩ ከም ዘሎ ፈሊጥና፡ ነዚ መድርኽ
ዝጠልቦ ናይ አሰላልፋ ሓይልታት ምምዕራይ ክገብር ንህዝብናን ንተቃልስቲ ሐይልታትቱን ንጽውዕ። ነቶም ነዚ
መድርኽ’ዚ ብጉቡእ ተረዲኦም፡ ንህዝብና ነዚ መድርኽ ዝበቅዕ አሰላልፋ ክሕዝ አብ ቃልዕ ወጺኦም ብቐጻሊ
ዝጉስጉሱ ዘለው ህዝባዊ ምልዕዓላትን ናይ መድያ ትካላትን አብ መድያ ዝነጥፉ ባእታትን ንትባዓቶም እና
አሞግስና፡ ኣጆኾም ነቲ ሒዝክሞ ዘለኹም መንገዲ ብቕድምን ብድሕሪትን ኮይኑ ዘሰንዮ ሰፊሕ ህዝቢ ዝድግፎ
ከም ዘሎ፡ ግንባርና ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ) በዚ ኩቡር መዓልቲ ሰማእታትና ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ፡።
ነቶም አብ ደምበ ተቓውሞ ኮንኩም ምስ ሰራዊትና እትብሉ ፖሎቲካዊ ውድባትን ውልቀ ባእታትን ከአ ናይ
መን ሰራዊት ነቶም ፋሽሽታዊ ኢሰያስ ዝለኻም ዝፍጽሙ፡ አብ ልዕሊ ውጹዕ ህዝቢ፡ ንሲቪል፡ ቆልዓ፡ ሰብይቲ
ብዝስካሕክሕ ክጭፍጭፉ ዝውዕሉስ ህዝብዊ ሰራዊት ክትብሉና፡ ክልተ ጊዜ ሕሰብሉ ንብለኩም። ጽባሕ ንግሆ
ኣብቲ ክልቲኡ ህዛብታት ዝፍጠር ቅርንሕንቲ መዘዙ ከቢድ ምዃኑ አቐዲምና ክንሕብረኩም ንፈቱ።
እንቶ ርእሰ ፋሽሽቲ እስያስ ጉጅልኡ ግን በቲ ዘካይድዎ ዘልው ናይ ኩናት ገበንን ጥሕሰት ሰብአዊ መስላትን
አብ ቤት ፍርዲ ማሕብረሰብ ዓለም ምቕራም ዘይተርፍ’ዩ። ናይ ሞቶም ጽላሎት ባዕሎም አብ ቅድሚኦ
ይርእይዋ ከም ዘሎው አጸቢቖም ይፈልጡ እዮም። ብቐንዱ ምስ መን ገጢሞም ከም ዘልው ስለ ዝፈልጡ አብ
ናይ መወዳእታ ጫፍ ናይቲ ጸድፊ ኮይኖም፡ ናይ ድሎ ከይትዕሎ ኩናት የካዱ ከምዘለው ነብሶም ነጊርዎም
አሎ። ስዕረቶምን ውድቀቶምን አብ ቀረባ ምዃኑ ዘይሰሐት’ዩ። ስለዚ ሕጂ እውን ከም ህዝቢ ከም ቀድምና እቲ
ዝድለ መስዋእቲ ከፊልና ናይ ዓወት ታሪኽ አብ መቐባር ርእሰ ፋሽሽቲ ኢሰያስን ስርዓቱን ክንደግም ንተዓጠቕ።
ዝኽሪን ክብሪን ሰማእታትና በዞም ሎሚ ብሂወት እንነብር ሰባት ጥራይ በይኑ ፈሊኻ ክዕበርን ክምዘንን ዘይካል’ዩ፡
እንታይ ድአ እቲ ቃልሲ ከመይ ኢሉ ጀሚሩ፡ አብቲ እዋንቲ ዝነብረ ኩነታትን ምስ ተጀመረ እውን እቲ ቃልሲ
ዘጋጥሞ ዝነበረ ፈተነታትን ስጋብዚ ሕጂ ዝቃላቐል ዘሎ፡ አብ ናይ ውድቀት ዓውዲ ጠንቀላዕላዕ ክንብል
ዝፈታተነና ምልክታትን ደሚርካ ክርአ ዘለዎ እዩ። ስለዚ ነቲ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት እታ ንሐንቲ ጊዜ
እትዕደል ህይወት ከይብቐቐ/ት ዝኸፍለትን ንእስነታ ዝገበረትን ስጋብ ሕጂ ሒጊግ እትብል ዘላ ወገንና፡ በዚ
ፋሽሽታዊ ስርዓት ኢሰያስ ን30 ዓመት ከባሳብሰና ዝጸንሐን ከምዚ ሎሚ ጠቕሊሉ ክዕሉቖና ዝገብሮ ዘሎ
ምዕልባጥን ቁንጭል አቢልኻ ሪኢኻ፡ ዝግለጽ ጉዳይ ከም ዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ። ኩቡር ታሪኽናን፡ ታሪኽ
ሰማእታትናን፡ አብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ጊዜ አብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይአቱ፡ እንሕብነሉ ቅርሲ ንዩ። እቲ
መስተንክራዊን ናይ ሓርባኛነትን ጅግንነትን ታሪኽና ዓቂብና፡ እቲ ሕመቕና ድማ ሕማቕ ምዃኑ ፈሊጥና፡
ዝእረም አሪምና ተማሂርናሉ ንሐልፍ ኮይኑ፡ ንቕድም ዝጠመተ ናይ ምዕባለ ኣንፈት ተኸቲልና ናይ ወሎዶታት
ምቅብባል ተራ ከይዘንጋዕና ምስ እንዋጻእ ጥራሕ እዩ። እዚ ናይ ሎሚ ወለዶ ከአ እታ ብጽሒቱ ታሪኻዊ
ሓላፍነቱ ክዋጻእ ንጽውዕ።
ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ) በዚ አጋጣሚ ነዚ ክቡር ዕለት መዓልቲ ሰማእታትንና ብኽብሪ እናዝከርና፡ ነቲ
ብሕጂ ዝጽበየና ዘሎ መስዋእቲ አንጻር ውልቀ መላኺ ኢሰያስን ስርዓቱ (ህግድፍ) ኩሉ ዝድለ ዋጋ ክኽፍል
ቅርብነቱ የረጋግጸ፡ በዚ አጋጣሚ ክቡር ዕለት’ዚ ንህዝቢ ኤርትራን ንፖሎቲካዊ ሕይልታቱን እንቛዕ
ኣብጽሓኩምን አብጻሐናን ይብል።
ውድቀት ንፋሽሽታዊ ስርዓት ኢሰያስ ( ህግድፍን) !
ሐድነትና ምስጢር ናይ ዓወትና !
ክብርን ዝኽሪን ንሰማእታትና !
ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ)
ሰነ 20.2021