ኤርትራዊት ኣደ፡ ማእከል ቃልስን ዓወትን እያ!!

መልእኽቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር፡

ብምኽንያት ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፤ PDF VERSION

 

ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ካብ’ቲ ትሕዝቶኡ ታሪኽ ደቂ ኣንስትዮ እዩ። ከም ዝፍለጥ ኣብ ታሪኽ ጉዕዞና ንዝሓለፈ ዘመናት ካብ ዝተመዝገቡን ዝተሰነዱን ፍጻሜታት፡ እቲ ኤርትራዊት ኣደ ወይ ጓል ኣንስተይቲ ክብራን ማዕርነታን ንምርግጋጽ ኣብ ዘካየደቶ ቃልሲ ዝፈጸመቶ ቅያ ምዃኑ ማንም ዘይስሕቶ ሓቂ እዩ። ኤርትራዊት ኣደ፡ ሓደ ካብ’ቲ ትልለየሉ ፍሉይ ባህርያት፡ ዓጢቓ ተዕጥቕ፣ ወፊራ እተውፍር ተውለ ኣብ ዓድን በረኻን እያ። ብመሰረት ሰነዳት ታሪኽን ኣብ ግብሪ ዝዝውተርን፡ ኤርትራዊት ኣደ ዝተሳተፈቶን ዝተዋሰአቶን ኩሉ መዛዘሚኡ ዓወት ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ እዩ።

ነዚ ውዕለት፣ ታሪኽን ኣበርክቶን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዙርያ ማሕበረ-ሰብ ዓለም፡ ከም ሓደ ዝገዘፈ ጉዳይ ናይ’ዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ስለዝኾ፡ነ ኣብ ዓመት ሓንቲ መዓልቲ ብልዑል ዝኽርን ጽምብልን ክኽበር ከምዘለዎ ተጌሩ፤ ሎሚ ዓመት 2020 ብደረጃ ዓለም ንመበል 109 ግዜ ብድምቀት ይበዓል ኣሎ። እዚ  በዓል እዚን ሒዙዎ ዝመጸ ክብርታትን ሓደ ዝዓበየ መቐይሮ፡ ኣብ ጉዕዞ ሂወት ደቂ ሰባት እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ዝሕረመን መሰላት ተቓሊሰን ከምዘዐውታኦ ዝገልጽ ዝኽሪ’ውን እዩ።

መዛግብቲ ታሪኽ ከምዝሕብሩዎ ደቂ ኣንስትዮ ባህላውን ሃይማኖታውን ጸቕጥታት ዝጠንቁ ብዙሕ ወጽዓታት ይበጽሐን ኔሩ እዩ። ጌና’ውን ኣብ ብዙሓት ሕብረተ-ሰባት’ዛ ምድሪ ንመሰልን ክብርን ጓል ኣንስተይቲ ዝጻብኡን ዝረግጹን፣ ንኽብረታን ኩለንትናዊ ምዕባለኣን ዝኾልፉ ድሑራት ኣተሓሳስባታት ከም ዘለዉ’ውን ዝፍለጥ እዩ። እዚ ካብ ባህላውን ሃይማኖታውን ካልእ ተፈጥራዊ ብድሆታትን ዝመበቆሎም ድሑራት ኣተሓሳስባታት ዘስዓቦ፡ ኣብ ብዙሕ ክፋል ሕብረተ-ሰብ ዓለምና ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ግፍዕታት፣ በደላትን ዓመጻትን ከም ዝፍጸሙ፡ ዓመታዊ ዝወጹ መግለጺታትን ጸብጻባትን ምስክር እዮም። በቲ ካልእ ገጽ ናይ ዓለምና ከኣ፡ ኣብ ብዙሓት ህዝብታት፡ ደቂ ኣንስትዮ ተወዲበን ብዘካይዳኦ ዘይሕለል ቃልስን ዝኸፍላኦ ኩለንትናዊ መስዋእትን ነቲ ብሰንኪ  ድሕረትን ባህላውን ግጉይ ሃይማኖታዊ  ርድኢታትን ዝፈጠሮ ጸቕጥታትን በደላትን ስዒረን፡ መሰላተን ብምልኣት ከረጋግጻን ከውሕሳን ዝበቕዓሉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ። እዚ ሓደ ዓለምና ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሓደ ክፍለ ዘመን ዘረጋገጸቶ ዓቢ ዝላ ንቕድሚት ኣብ ማሕበራዊ ሰውራታት እዩ።

ታሪኽ ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ፡ ብመሰረት ባህላውን ሃይማኖታውን ድሕረ-ባይታ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ መስርሕ ዝተገብረ ብረታዊ ተጋድሎ ንሃገራዊ ነጻነት ምስ እንውከስ፡ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ንዝሓለፈ ነዊሕ ዘመናት፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝነበሩ ሓጹራትን ማሕለኻታትን ቀለልቲ ኣይነበሩን። ይኹን ደኣ’ምበር ጓል-ኣንስተይቲ ኤርትራ ንባህላውን ሃይማኖታውን ብድሆታት ሰጊራ፣ ንሓጹር ውሻጠ ጥሒሳ፡ ናብ’ቲ ኪንዮ ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝነበረን በቲ ናይ ሽዑ ዘመን ኣተሓሳስባ፡ ጓል ኣንስተይቲ ክትከዶ ዘይግመት ዝነበረን ሰውራ ብምጽንባር፡ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ዝነበራ ተራ፡ ብፖለቲካውን ቁጠባውን መዳይ ደሪዓ ሓደ ዓቢ መቐይሮ ብምዕዋት፡ መጋረጃ ድሕረት ብዝሰፍሐ መዳዩ ክትቀዶ በቒዓ እያ። ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ኩሉ መዳይ፡ እቲ ን 30 ዓመታት ዝተኻየደ ሰውራ ንሃገራዊ ነጻነትን ልዑላውነትን ካብ ግምት ብዙሓት ንላዕሊ፡ ካብ ተዋጋኢ ሓይሊ ክሳብ ዝለዓለ ጽፍሒ በጺሓ እያ። ካብ’ዚ ሓሊፋ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳይ ክትዋሳእ፣ ክትመርሕን ክትቃለስን፣ ብመንጽር’ቲ ድሕረ ባይታ ዝመጸትሉ፡ ልዕሊ ትጽቢትን ሓሳባትን ምንባራ ዘይሰሓት እዩ። እዚ ከኣ ኣብ’ቲ ኤርትራ ዝሓለፈቶ ታሪኻዊ ጉዕዞ እቲ ብፍርቂ ዝግለጽ ቅያ እዩ።

ይኹን ደኣ’ምበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ነቲ ኩሉ ጽንኩር መድረኻት ሰጊረን፣ ብልዑል ተሳትፎአን ኤርትራዊ ሃገራዊ ነጻነትን ልዑላውነትን ምስ ተዋሕሰ፡ እቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘካየዳኦ ድርብ ቃልሲ ንመሰልን ማዕርነትን፡ ከም’ቲ ኩሉ መብጽዓታት ዝተኻሕደን ዝፈሸለን፡ ቃልሲ ደቂ-ኣንስትዮ ሃገርና’ውን ዝኸፈላኦ ከቢድ ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ’ውን ክጥለም ኮይኑ እዩ። ከም ውጽኢቱ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ኣዝዩ ዝተደረተ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላ ተጋሂሱ፣ ኣደዳ ዓመጽን በደልን ክትቃላዕ፣ ብሓደ መዳይ ኣደራዕ ምልካዊ ምሕደራ ህግደፍን ግዳይ ግዱድ ዕስክርናን ሳዕቤናቱን ክትከውን፣ ብኻልእ መዳይ ከኣ ውሉዳታ ተመንጢላ ክትዝኽትም፣ ኣደዳ ኩሉ ዓይነት መከራ ክትከውን፣ ሓዳር መስሪታ’ውን በዓል ቤታ ኣብ ኣርዑት ባርነት ብምቝራኑ ሓላፍነት ስድራቤት ተሰኪማ፡ ድርብ ሸኸምን ጾርን ተጻዒኑዋ ይርከብ።

ኣብ መዳይ ቁጠባዊ ህይወት’ውን እንተኾነ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ/ኣደ/ ሰሪሓ ትልወጠሉ ኩሉ ዕድላታ ተመንጢሉ፡ ግዳይ ሕሱም ድኽነትን ስእነትን ክትከውን ተፈሪዳ ኣላ። ከምዝፍለጥ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጭቡጥ ሓቂ፡ ጾር ቁጠባ ስድራቤት ኣብ ዝባን ኣዴታት ብምውዳቑ፡ ንመከራ ደቂ ኣንስትዮ ከቢድ ይገብሮ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ መነባብሮ ኩነታት፡ ልዕሊ ዝኾነ ዜጋ ኣደራዕ ዝኸውን ንደቂ ኣንስትዮ ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ይኹን ገጠራት፡ ልዑል ቁጽሪ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ/ኣዴታት/ ናብ ደረጃ ልመናን ተመጽዋትነትን ወዲቐን ይርከባ።

ካብ’ዚ ሓሊፉ ብመዳይ ማሕበራዊ ኩነታት፡ ኤርትራዊት ኣደ ወሊዳ ዝመኸነት፣ ህይወታ ብጽምዋ ተዋሒጡ፣ ውሉድ ማህጸና ግዳይ ግዱድ ዕስክርና፣ ባርነት፣ ስደትን ሞትን ይኸውን ብምህላዉ፡ ጽባሕ ጽባሕ ኣብ ክንዲ ዳስ ሓጎስ- ዳስ ሓዘን ክትተክል ተገዲዳ ትርከብ። ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓዲ ኮነ ስደት ዘጋጥመን ዝተፈላለየ ኣደራዕ፡ ማሕበራዊ ህይወተን ክመዛበል፣ ዕድመ ንእስነተን ክባኽን፣ ገለ’ውን ሰብኡተን ኣብ ኲናትን ጉዕዞ ስደትን ጠፊኦም ኣደዳ ጽምዋን ምእምንናን ከምኡ’ውን ግዳይ ኩሉ ዓይነት ማሕበራዊ ቅልውላው ኮይነን ይርከባ።

ካብ ጽባሕ ስምምዕ ሰላም ጀሚሩ ድማ፡ ገባቲ ስርዓት ኢሳያስ፡ ናይ ህዝብና ናይ ዶብ ምምልካት ሕቶ፡ ንጎድኒ ጎስዩ፡ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምጽንባር፡ ምስ ሓይልታት ትምክሕቲ ኢትዮጵያ ሸርሕታት ዝኣልመሉ፡ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገርና ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዝወደቐሉ እዋን ብምዃኑ ኣብ ከቢድ ስግኣት ኣትየን ኣሎዋ፤ ኮታስ ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ እቲ ዝኸበደ ጾርን ዝዓበየ በደልን ዝበጽሓ ዘሎ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ምዃና፡ ንፋስ ዝሃረሞ ሓቂ እዩ። ብሓጺሩ ኣብ ዘመነ ገባቲ ጉጅለ ህግደፍ ድርብ ወጽዓን ጭቆናን ዝወርዳ ዘሎ፡ እታ ድርብ ቃልሲ ኣካይዳ ክንሳ፡ ዓጸፋ መከራ ትጸግብ ዘላ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ወሪዱ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ተሸሚማ፡ ንሓያል መኸተን ተወሳኺ መስዋእትን ክትዳሎ ተገዲዳ ዘላ እያ።

ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 28 ዓመታት፡ ጉዕዞ ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት፡ እቲ ኣብ ባይታ ኤርትራ ዘሎ ደረቱ ዝሓለፎ ምልክን ጭቆናን ዕለታዊ ክውስኽ፡ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ልዑላውነትን ናጽነትን ሃገርና ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ዝተቓልዓሉ እዋን እዩ። ጭቆናን ኣበሳን ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ግዜ ገባቲ ጉጅለ ህግደፍ ገሊጽካን ጸብጺብካን ዝውዳእ እኳ እንተዘይኮነ፡ ሎሚ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ግን እቲ ዝኸበደ ምዃኑ ንማንም ዜጋ ግሁድን ዘይተኸወለን ነገር እዩ።

ነዚ ዓብይ በዓል ዕለተ 8 መጋቢት ኣብ ነኽብረሉ ዘሎና እዋን እምበኣር፡ እቲ ኣብ ቅድመ ግንባር ክመጽእ ዘለዎ ጉዳይ፡ እቲ ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ ዘላቶ ሃለዋት እዩ። ክብረ-በዓል 8 መጋቢት ንጓል ኣንስተይቲ ወይ ኤርትራዊት ኣደ ተራ ዝኽሪ ወይ ናይ ሓጎስን ደስታን ከምኡ’ውን ናይ ምዕባለን ዓወትን ዘይኮነስ፡  በንጻሩ ነቲ ዘካየደቶ ድርብ ተጋድሎ ኣብ’ቲ ሓቀኛ ምዕራፉ ንምብጻሕ፣ በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ ነቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ዘውርዶ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ግፍዕታትን ጭቆናን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንኤርትራ፡ ልዑላውነታን ናጽነታን ኣሕሊፉ ዝህብ ኢሳያሳዊ  ክድዓት ከኽትም፡ ብቐንዱ ከኣ ዝተጠልመ ቃልስን መስዋእትን ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ንምዕዋትን ንምውሓስን፣ ነቲ ምልካዊን ከዳዕን ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ዝባናን ዝባን ደቃን ዘውርዶ ዘሎ ደረት ዘይብሉ ሕሰምን ጥልመትን ንሓዋሩ ዘብቅዓሉ፣ ሓርነትን ክብረትን ኩሉ ዜጋ ዝወሓሰሉን ዝሓየለ ቃልሲ እነካይደሉን ኣጋጣሚ ክኸውን ይግባእ።

ከምዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2019 ብዝተወደበ መንገዲ ብደረጃ ኣህጉር ኤውሮጳ ብስም ንቕሎ ኣዴታት ዝተጀመረ ውዳቤ ደቂ ኣንስትዮ፣ ካብኡ ቀጺሉ ሎሚ ዓመት ብደረጃ ሰሜን ኣሜሪካ ዝተወደበ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውዳበን መድረኽን ገለ ካብ’ቶም ዝዓበዩ ዝላታት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ’ዚ ነካይዶ ዘሎና ሓርነታዊ ተጋድሎን፡ ንምክልኻል ናጽነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ዝዓለመ ቃልስን እዩ። ኣብ ተመኩሮ ትማሊ ዝተኻየደ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነትን ጸረ ባዕዳውያን ገዛእትን ተራን ግደን ደቂ ኣንስትዮ መተካእታ ዘይነበሮ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ሕጂ’ውን ኣብ’ዚ ሎሚ ነካይዶ ዘሎና ቃልሲ፡ ንምክልኻል ልዑላውነትን ናጽነትን ከምኡ’ውን ንህዝባዊ ሓርነት፡ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ዝተወደበ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ’ቲ ቃልሲ፡ ዓቢ መቐይሮ ከም ዘመዝግብ ጥርጥር የብሉን። ክድገፍ ዘለዎ፣ ብዝሓየለ መዳዩ ክቕጽል፣ ናይ ኩሉ ዜጋ ደገፍን ኣበርክቶን ከም ዘድሊ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር ከዘኻኽር ይደሊ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር፡ ኣብ’ዚ ዕዙዝ ዕለት ከሕልፎ ዝደሊ መልእኽቲ እንተልዩ፡ ከም ግንባር ሓደ ካብቲ ብመትከል ዝቃለሰሉ ዕላማ፡ መሰል፣ ክብረትን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ብኹሉ መዳይ ንኽረጋገጽ’ዩ። ብተወሳኺ ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ግንባርና ከስምረሉ ዝደልዮ ነገር እንተሎ፡ ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ ፍርቂ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ሃገርና ምዃነን፡ በቲ ካልእ መዳይ ከኣ ኣብ ምዕዋት ለውጢ ዘለወን ተራ ኣዝዩ ዓብን ልሉይን ስለዝኾነ፡ እቲ ዘለወን ኩሉ ዓይነት ወጽዓን በደልን ብኹሉ መዳይ ክሰዓር፡ ሕጂ’ውን ቃልስታተን ከሐይላ፣ ተወዲበን መሰለንን ክብረንን ከውሕሳ፣ ንጹር ፖለቲካዊ መስመር ተዓጢቐን፡ ነቲ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እነካይዶ ዘሎና ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገርና ናይ ምክልኻልን ምውሓስን ቃልሲ፡ ኣብ ምሕያልን ኣብ ምዕዋትን ብኹሉን ኣብ ኩሉን ክቃለሳ ለበዋኡ ከሕልፍ ይፈቱ።

ድርብ ወጽዓ ብድርብ ቃልሲ ይውገድ!!

ኤርትራዊት ኣደ ማእከል ቃልስን ዓወትን’ያ!!

ብዙሕነታዊ ሓድነትና ንድሕነት ሃገርና!!

ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር/ኤሃግ/

8 መጋቢት 2020

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *