ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 1961

ብምኽንያት ዝኽሪ መስከረም 1 1961

 

ዝኽሪ መስከረም 1፡ ካብወለዶ ናብ ወለዶ ክሰጋገር ኣለዎ። ምኽንያቱ፡ ኣብነት እምቢታ ሓፋሽ ኣንጻር፡ ወረርቲን መስፋሕፋሕትን ባዕዳውያን ገዛእቲ ብወግዒ፡ዘበሰረት ዕለት ስለዝኾነት። ሓድ ክንጸር ዘለዎ ነጥቢ ግን፡ቅድሚ መስከረም 1, 1961 ሰለማውን ጎንጻውን ቃልሲ ኣይነበረን ማለት ግን ኣይኮነን። እምበኣር፡ኣብ’ዚ ኣርእስ’ቲ እዚ፣ ንህዝብናን፡ ንዓለምን ንጹር ክኸውን ዘለዎ ጕዳይ ኣሎ እንተኾይኑ፣ መሬታዊ ሉኣላውነት ኤርትራ ግምጃ ናይ’ቶም ወፊሮም ዘይተመልሱ፣ ግምጃ ናይ’ቶም ፍርቂ ኣካላቶም ከፊሎም ዝሰንከሉ፣ ግምጃ ናይ’ቶም ካብብሱል ጥረ ኮይኖም ዝወጹ ሓርበኛታት ሓፋሽ ተጋደልትን ናይ’ቲ ውሉዱ ጥራይ ዘይኮነ ገንዘቡን ጥሪቱን ዘወፈየ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ኢያ ። ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንክርስትያን፣ ንኣስላማይን፡ ንዓብን ንእሽቶን ፣ንዝተጋደለን ዘይተጋደለን፡ ንኽልቲኦም፡ፆታታት ብማዕረ ትብጸሖም ታሪኻዊት ወርሒ ኢያ። እዚ ናይሕጂ ህግደፍን ኣጋፈርቱን ንበይኖም ዝወፈርዎ ቃልሲ ኣይነበረን፡ ንበይኖም ዝመከት’ዎ፡ ስርዓት ኢትዮጵያ’ውን የልቦን። ብሓጺሩ ጕጅለ ህግደፍን ኣምለኽቱን፡ንበይኖም፡ ዘዐወትዎ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ኣይነበረን፣የልቦን። ክንዲ ዝኾነ ከኣ፡ንህግደፍን ኣምለኽቱን ጥራይ ትብጾም ኤርትራ የላን። ምኽንያቱ፡ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ፡ ኤርትራ፡ግዝኣትን ብሕታዊት ንብረት፡ ጃንዳ ህግደፍ ክትከውን፡ ዝተቓለሱን ሂወቶም ዝኽፈሉን ኔርም፡ ክትብል ኣይከኣልን። እምበሺ ጭፍራ ህግደፍ ነ’ዚ ታሪኻዊ ዕለት ክዝክር ሞራላዊ ባይታ የብሉን። ምኽንያቱ ነ’ታ ብረዚን ዋጋ ዝተረኽበት ሃገር፣ ህዝባ በታቲኑ ኣብሓደጋ ምቕጻልን ዘይምቕጻልን ክትወድቕ፡ ዝገበረ ገበኛ ጕጅለ ስለዝኾነ፡ እንሆ ሕጂ ኣብመበል 60 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ፡ መንእሰይ ኤርትራ፡ ተገፉፉን፡ ተታሊሉን፡ ጃንዳ ህግደፍ ኣብዘሳወሮ ወራር ትግራይ ይሳተፍ ኣሎ። እዚ ወራር’ዚ፡ ኤርትራ ዳግማይ ናብሞግዚትነት ስርዓይ ኢትዮጵያ፡ ንምጽንባር ዝዓለመ ምዃኑ፡ ባዕሉ ሓለቓ ጕጅለ ህግደፍን፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢ ኣሕመድን፡ ብዘይ ሕብእብእ ኣብመስቀል ኣደባባይ ኢትዮጵያን፡ ኣብጎደናታት ኣስመራን፡ ተደሚርና ዝብል ታቤላታት ተሓንጊጦም፡ ስለፊ ከምዝወጹኡ፡ ዝዝከር ኢዩ። ግና ወዲ ዱሙ ነይሓድግ ግብረ-ኡሙ፡ ከምዝበሃል፡ ሕጂ’ውን፡ ንይምሰል ብጨርቂ ኣውረቕሩቑ፣ ብጨርሖ ተሰንዩ፡ ብጓላን ዳንኬራን ክጽንብሎ እንተተሃንደደ ንይምሰል ምዃኑ ዘይፈልጥ ኣሎ እንተኾይኑ፣ እቲ ኣዒንቱ ልቡ ዝዓወረ ፣ ብጕጕይ ህልኽ፡ ብስምዒታት ብድሕረት፡ ተሰኒፉ፡ “መንግስትና” ብዝብል ዋንነት ኣብዘይብሉ ዋና ክመስል፡ ዳስ ህግደፍ ከማሙቕ ዝተገርዘ ወዲ ገርሂ ልባ ጥራይ ኢዩ።

እምበኣርከስ ቅድሚ 60 ዓመታትት ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክነቅል እንከሎ ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን፣ ባህጊ ሞትን ከርተትን፡ ማእሰትን ስንክልና ዝለዝነሮ ኣይኮነን። የግዳስ ከም ህዝቢ ብገዛእ ሕርይኡ መጻኢ ዕድሉ ከይውስን ሰብኣዊ መሰሉ ተቐንጢጡ፣ ሓርነቱ ተጋሂሱ ፡ ብዘይ ፍቓዱ ኣብ ኣርዑት መግዛእቲ መሳፍንቲ ኣምሓራ ክቑረን ስለዝተፈርደ ጥራይ ኢዩ። መዛግብቲ ታሪኽ ከምዝምስክርዎ፡ ኣብ1884 ምዕራባውያን ሃገራት ፣ኣብከተማ በርሊን ጀርመን፡ ዋዕላ ኣካየዳ፣ ርእሰ-ንገር ናይቲ ዋዕላ ከኣ፡ ነ’ቲ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ዘስፋሕፍሕ ዝነበረ ምዕራባዊ እንዳስትርያዊ ሰውራ( Western Industrial Revolution) ዝኸውን ሓይሊ ሰብን፡ ጥረ ነገራትን፡ ንምምዝማዝ፡ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ከምጕዚ ብዕራይ፡ ተመቃቒሎም ምሓዝ ወሰኑ ። ብመስረት ስምምዕኦም ከኣ ሃብታም ኣህጉር ኣፍሪቃ ተመቓቕልዋ፤ ረብሓታቶም ብዘውሕስ መንገዲ ሓደስቲ ግዝኣትን ዶባታን ሓንጸጹ። ኣህጉር ኣፍሪቃ ከኣ ተጎዛዝያ ግዝኣታት ኤውሮጳ ኮነት። ኤርትራ ሃገርና ሓንቲ ካብተን ብሕንጻጽ ኤውሮፓዊ ግዝኣት ዝቖማ ሃገራት ኢያ። ካብ 1890 ክሳብ 1952 ከኣ ትሕቲ ክልተ ምዕራባዉያን ገዛእቲ ዝተመሓደረት ሃገር ኢያ። ምስ ምዉዳእ ካልኣይ ኩናት ዓለም፡ እቲ ንኤርትራ ከምስትራተጂካዊት ግዝኣቱ፡ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዘመሓደረ፡ ፋሽስታዊ ሓይሊ ጣልያን፡ ኣብ መሬት ኤርትራ ምስ ተሳዕረ፤ እቲ ስዒቡ ዝመጸ ባዕዳዊ ሓይሊ ምምሕዳር እንግሊዝ ኢዩ። እምበኣር፡ኣብትሕቲ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ዝመኽርሉ ፖለቲካዊ ባይታ ስለዝረኸቡ፡ መጻኢ ዕድሎም ንምዉሳን ምዝታይን ምድርዳርን ጀመሩ። እቲ ዕላማ ካብ መግዛእቲ ነጻ ዝወጸት ልዑላዊት ሃገር ክዉን ንምግባር ኢዩ። እተኾነ ነ’ቲ ፈልሲ ኤርትራዊ ሃገራውነት ኣብ እግሪ ተኽሉ ንምቝጻይ፣ ብወገን እንግሊዝ ይኹን ፣ ሃጸይ ሃይለስላሰ ማእለያ ዘይብሉ ማሕለኻታትን፣ ዉዲታትን ተፋሒሶም ስለዝነበሩ፣ ዳርጋ ኩለን ኣብትሕቲ ኤውሮፓዊ መግዛእቲ ዝነበራ ሃገራት ነጻነትን ክጎናጸፋ እንከለዋ፡ ጉዳይ ኤርትራ፡ ኣብፉልይ ፋይል፡ ብፍሉይ ኣጀንዳ ተታሒዙ፡ ኤርትራ ከም መሽጣ ኣቅሓ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክትኣቱ ተወሰነ ። ብሓደ መዳይ ኢትዮጵያ ኣካል ክፍለ ግዝኣታ ክትከዉን ትሰርሕ፡ ብኻልእ ሸነኽ እንግሊዝ ኣብክልተ ክትምቀል ይጕስጕስ ነበረ፤ ግብጺ’ውን ትብጽሓኒ ኢያ ኢላ፡ ክትውንን ትምጉት፡ ኮታስ ደረት ዘይብሉ ጆኦፖለቲካዊ፡ ሽርሓታት ተፋሒሱ ረዚን ዋጋ ኣኽፊሉና ኢዩ ።

ከም’ቲ ኣማኻሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኤመሪካዊ ስታንፎርድ ዝበሎ ግን ” ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ነጻነት ኢዩ ኔሩ ። እንተኾነ ግን ንሃገራዊ ረብሓና ክንብል ኤርትራ ምስኢትዮጵያ ብፈድረሽን ክትቁረን ወሲንና ይብል።” ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ንምሉእ ነጻነት’ኳ እንተነበረ፣ ብዘይ ድሌቱ ካብ ምዕራባዊ መግዛእቲ ናብ ጸሊም ኣፍሪቃዊ መግዛእቲ ክቁረን ተገበረ። ህዝቢ ኤርትራ፡ብዘይ ድላዩ፡ ንረብሕኡ’ዉን ዘይኮነስ፡ ንረብሓ ምዕራባውያን፡ተባሂሉ፡ ከም ንብረት ዕድጋ፡ ንፖለቲካዊ መሽጣ ተፈርደ። እዚ ዉዲታት ተጓሃሂሩ ኣብ ዝካየድሉ ዝነበረ እዋን፣ በላሕትን ትኩራትን ኣቦታት፡ ነቲ ብዘይ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዝነበረ ፖለቲካዊ ሽርሕታት ንምዕጋት፡ እቲ ሓቀኛ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ንምንጽብራቅ ” ናብ ናይ ሎሚ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ” ናይ’ቲ ግዜ ሊግ ኦፍ ነሽንስ” (LEAGUE OF Nations) ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ መጋባእያ ተሳቲፎም፡ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ነጻነት ጥራይ ምዃኑ ብተደጋግሚ ገሊጾም ኢዮም፡፡ ዘይሕለል ሰለማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣካይዶ ኣይሰለጦምን፣ ነቲ ጸረ ድልት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ውሳነ ምዕራባውያን ዝነጽግ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብመልክዕ ሰለማዊ ሰልፍታት ተቃዉሞ ኣካይዶም ኔሮም ፡፡ ኮይኑ ግን ሰማዒ ኣይረኸቡን። ምኽንያቱ፡ሓይሊ ዘይብሉ ሰማዒ የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ምርጭኡ እንታይ ምዃኑ ከይተሓተተ፡ ብዘይ ድለቱ፡ ንረብሓ ካልኦት ክብሃል፡ ብዝርያ ሓያላት ተገዲዱ ፡ ኣብ ዓመት 1952 እታ ብተዛማዲ፡ምዕብልትን ዝሓሽ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምዕባለ ዝነበራ ኤርትራ ምስ’ታ ብፊዉዳላዊ ብንጉሳዊ ቤተስብ ትምራሕ ዝነበረት ናይ ሽዑ ኣብስንያ ናይ ሕጂ ኢትዮጵያ ክትቁረን ተገበረ። እቲ ብዘይ ድላይ ህዝቢ ኤርትራ ዝተገብረ ዉዕል ፈደረሽን ከኣ ኣብ 10 ዓመቱ ብሓይሊ ጎበጣ ኢትዮጳያ ፈረሰ። ነጻ ሃገረ ኤርትራ፡ናይ ምምስራት ድሌት ኣቦታት፡ ብብርዒ ሓያላን ተነፊጉ፡ እቲ ብዘይሕርይኡ ዝተቖርኖ ዓለምለኻዊ ዉዕል ፈደሬሽን ተጋሂሱ፡ ኣብ ኣርዑት መግዛእቲ መሳፍንቲ ኣምሓራ ወደቐ ። ህዝቢ ኤርትራ እታ እንኮ ዝነበረቶ ምርጫ’ምበኣር ” ብሓደ ሓሳብ ኣብ ሓንቲ ዕላማ” ተወዲቡ ነታ ብዓመጽ ዝተነፍገቶ፡ ካልኦት ህዝቢታት ኣፍሪቃ ዝዓተርዋ ሃገራዊ ነጻነትን፡ ክብረትን ” ንምዉሓስ ብቃልስን መስዋእትን ጥራይ ምዃኑ ተገንዚቡ ኣብቃልሲ ክወፍር ተገደደ። ናይ ሓደ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ጫፍ መግለጺ ብረታዊ ቃልሲ ስለዝኾነ፡፡

ኣብ ዓመት 1958 ነቲ ዓምጣሪ ኣካይዳ ሃጸይ ሃይለስለሰን፡ ዓንገልቱን ኣቀዲሞም ዝተገንዘቡ ደቂ ሃገር ” ማሕበረ ሽዉዓተ” ሓራካ ” ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ዝብል ዉዳብ ተኺሎም ” መላእ ህዝቢ ኤርትራ ንምሉእ ነጻነት ክቃለስ ኣለዓዒሎሞ ኢዮም ። ድሕሪ ሰለተ ዓመት ከኣ ኣብ ዓመት 1961 ቅድሚ ወግዓዊ ምፍራስ ፈረደሽን፤ ነጻነት ወይ ሞት ዝብል ጭርሖ ዝሓዘ ውዳብ ‘ ተጋዳሎ ሓርነት ኤርትራ” ኣብ ሃገረ ግብጺ፡ ኣብ ከተማ ካይሮ ተተኽለ። ስለምንታይ መስከረም 1 ምዝካር የድሊ፡ ብሓጺሩ ኣቐድም ኣቢሉ ተገሊጹ ከምዘሎ ኢዩ። እቶም ሹዑ፡ ብተባዕ ኤርትራዊ እምቢታ ዝሰንበዱ ” ሃጸይ ሃይለሰለን ኣሳሰይቱን ” ነቲ ቁልዒ ቃልሲ ጋና ብዕሸሉ ከሎ ንምቁጻይ ዘይኩዓትዎ ጉድጓድ፡ ዘይፈንቀልዎ እምኒ ኣይነበረን፡፡ ዝተወልዐ ኤርትራዊ ቀንዴል ነጻነት ንምጥፋእ ጠበንጃን ፋረን ተዓጢቖም ሰፊሕ ወፍሪ ኣካይዶም ኢዮም። ብፍርሕን ራዕድን ንምምብርካኽ፡ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዜጋታት ኣብ ኣደባባይ ዘስካሕክሕ ማሕነቕትን፡ ምርሻንን፡ ብኣልማማ ዜጋጋትት ምፍርራሕ ምጭፍላቕን ፡ ዓድታት ምቅጻል ቀጸሉ ። እዚ “ኢትዮጵያ በል” ብሽመል ከይትሕመል እናበሉ፡ ዘካየድዎ ወፍሪ፡ ሞራል ህዝቢ ንምድርቋስን፡ ብራዕዲ ንምንብርካኽን ዝዓለመ ኢዩ ኔሩ ። ብሃጸይ ሃይለስለሴ ዝምራሕ ንጉሳዊ ምሕደራ ኢትዮጳያ ነቲ ኤርትራዊ ቃልሲ ንምብርዓን ፡ ዓሳን ንምጽናት ባሕርን ምንጻፍ ብዝል ” ናይ ዓቕሊ ጽበት ዓይኒ’ብለይ ስኒ ‘ብለይ ስትራተጂ” ብምኽታል ነቲ መልክዕና ዝኾነ ብዙሕነት ሕብረተሰብ ኤርትራ ከምመንቅብ መዝሚዙ፡ ጥርጣረ ብምስዋር፡ ብሃይማኖት፡ ብኣዉራጃ፡ ብቐቢላ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓድሕሕዱ ከናቑት ፈተኑ። ኤርትራዊ ሓድነት ንምቕርሳም ብዙሕ ጻዕሪ ገበሩ፡ ኩሉ ግን ኣይሰልጠን። ማይ ሓቒኑ’ኖም ዳኣ ተረፉ። እቲ ንንጉሳዊ ስርዓት ሃይለሰላሴ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ገልቢጡ ዝመጸ ” ወተሃደራዊ ስርዓት ደርጊ’ዉን እንተኾነ፤ ንሕቶ ነጻነት ኤርትራ ንምቕታል ” ኢትዮጵያ ትቕደም” ዝብል ጭርሖ ተኣንጕቱ” እዱድ ዘመተ ኣካየደ። መሰል ነጻነት ኤርትራ ከምክን ክሳብ ዓንቀሩ ተዓጢቑ ፡ ሓሽከት ሰራዊት ሒዙ’ ወፊሩ ኢዩ ። የግዳ’ስ ኩምራ ሓጻዉኑን ፣ ሽሾ ሰራዊቱን ኣብ’ቲ ከምኣብሰሃራ ዝፈሰሰ ማይ፡ ብኤርትራዊ ሃረርታ ሃገራዊ ነጻነት ተዋሒጡ ተርፉ ኢዩ ፡ ኣብ ምወዳእታ ከኣ ኩሉ’ቲ ዕንደራን ፈኸራን፡ ሓጺነ መጺን መኺኑ፡ ሓሞኹሽቲ ኮይኑ። ከምውጽኢቱ ከኣ፡ ነጻነት ኤርትራ፡ ከም ወርቒ ብሓዊ ተፈቲኑ ደሚቑ ክወጽእ ኮይኑ ኢዩ። ድሕሪ ናይ ፍርቂ ዘመን ዘይሕለል ቃልስን፡ መዳርግቲ ዘይብሉ መስዋእትን ሰንክልናል፡ ዘይክማህን ዘይነጽፍን ጽንዓት ኣብ ግንቦት 24 1991 ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ ጎበጣን መግዛእትቲ ኣምሓራ ሓራ ኮይና። ” ኤርትራዊ ቀንዴል ሃገራዊ ነጻነት፡ ” ንጋዘጠኛታት፡ ዓለም ብዘደንቕ ኣገባብ፡ብዓወት መሰስ ኢሉ ኢዩ። ስለ’ዚ መስከረም 1፡ ከም ሃገራዊ ጽንብል ክንዝክር እንከለና፡ እቲ ኣብ ኣእምሮና ዝዝከር እምብኣር፡ እቲ መንነትና ክብረትና፡ ርስትና ንምዉሓስ ዝሓለፈናዮ፡ ናይ ፍርቂ ዘመን ጉዕዞ፡ ዝኸፍልናዮ ረዚን ናይ ሂወትን ኣካልን ዋጋ ኢዩ።

እምበኣርከ’ስ ካብመስከረም 1፡ ክንመሃሮ ዝግባእ እወታዊ ታሪኽ ኣሎ፡ ንሱ ከኣ፡

(1) ልዕሊ ነጻ ድሌትን ሕርያን ሓፋሽ ህዝቢ፡ ዝስራዕ ውድብ ይኹን መንግስቲ ከምዘይነብርን፡ ተሰዓርን ምዃኑ ኢዩ

(2) ብኣፍሻምብቆ ብረትን፡ ብዝሒ ሰራዊትን፡ ህዝባዊ ሕቶ ንምምላሽ፡ ዘንቀደ ህዝባዊ ቃልሲ፡ጠቕሊሉ ካብገጽመሪት ከጥፎኦ ከምዘይክእል

(3) ንዘንትእለት ተንበርኪኹን፡ ተዳሂዅን ዝነብር ሓፋሽ ከምዘየልቦን፡ ብጋህዲ ብተሞክሮ ዘርኣየት ዕለትያ። ምኽንያቱ፡ ወዲሰብ ብፈጣሪኡን፡ ብተፎጥሮን ዝተዋህቦ፡ ካብኣካላቱ፡ ዘይቅንጠጥ፡ ሰብኣዊ ክብርታትን መሰልን ኣለዎ። ነ’ዚ ክብርታትን፡ መሰላትን፡ ሓኺኹ፡ ኣነጎይታኻ፡ ንስኻ ባርያይ ኢኻ ኢሉ፡ ኣብሕቑኡ ከምመንደዓት ዝስቀል፡ ጨቋኒ፡ መዝማዝን፡ ኣራዊት፡ መን’ዩ ብዘይገድስ፡ እንታይ ዓይነት ቋንቋ ይዛረብ፡ ብዝየገድስ፡ ንመዋእሉ፡ ክጻወሮ ኣይክእልን ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕጊ ተፈጥሮ’ውን ኣየፍቅዶን ኢዩ። ክንዲዝኾነ ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ንትምክሕተኛታት ኣምሓራን፡ መስፍናውን መስፋሕፍሒ፡ ገባቲ ባህርያቶን፡ ስዒሩ፡ ግና፡ ዘይሓሰብካዮ ርኸብ፡ ኣይመርገም ኣይምርቓ ብዝዓይነቱ፡ ወዲትን ጥልመትን ኣጋጢምዎ፡ እቲ ካብ በረኻ፡ ሓንጊሩ፡ ዓዲ ዘእተዎ፡ መሪሕነት ሻዕብያ፡ ሕጂ ሓድሕዱ ተባሊዑ፡ ተሸሪፉን ተጨሊፉን፡ ህግደፍ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ጉጅለ፡ ካብግዳማውያን ገዛእቲ ብዝኸፍአ ኣገባብ፡ ብዝመረረ ዱላ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብገዛእ፡ ሃገሩ፡ ኣብገዛእ ርስቱ፡ ብድኽነትን ዱንቁርናን፡ ክደሃኽ፡ ዘዝወለዶም፡ ክምንጠል፡ ሕሉፍ ሓሊፉዎ፡ ነ’ቲ ብደም ቀያሕትን ጸለምንትን፡ ብደም ሓጸርትን ነዋሕትን፡ ካብ ክልቲኡ ጾታት፡ ደቂ ሓላል ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝተረኽበ፡ ዓወት መሬታዊ ነጻነት ንምቕልባስ፡ ቆልዑት ኤርትራ፡ ተተገፊፎም፡ ኣብኵናት ኢትዮጵያ ይሳተፉ ኣለዉ።ግዳይ ቃርሳ ዞባዊ ቁርቁስ በትረ-ስልጣን ጕጅለ ህግደፍን ብልጽግናን፡ ክኾኑ ተፈሪዶምሉ ኣብዘለውሉ፡ግዜ፡ ክንውከሶ ንኽእል ታሪኽ፡ ታሪኽ እምቢታ፡ ታሪኽ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። እምብለይ ኣይግዛእን ዝበለ ሓፋሽ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ከምዝዕወት ኣሚንና፡ ሕጂ’ውን፡ ከምትማሊ እምብለይ ንባርነት፡ ብምባል፡ ኣንጻር ኣራዊት ጕጅለ ህግደፍ፡ ብግብሪ ብስነስርዓት ተወዲብካ ምቅላስ ኢዩ። ካብ’ዚ ወጻኢ፡ ካልእ ምርጫ የልቦን። ስደት መፍትሒ ከምዘይኮነ፡ተሞክሮ ተጋድሎሓርነትን፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመት ዝተሰደደ መንእሰይን፡ ህሉው ኵነታቱን፡ ኣተሀላልዉን፡ መስክሩለይ ዘየድልዮ፡ ርእሱ ዝኸኣለ፡ ተሞክሮ ኢዩ። ሕጂ’ውን ከምትማሊ፡ መንፈስ እምቢታ ኣንጻር ባርነት፡ ተላቢስና፡ ኣንጻር ጕጅለ ህግደፍን፡ ጸረ-ሰብእዊ ፍጡር ኣተሓስቡን፡ ብግብሪ፡ ብስነስርዓት፡ ተወዲብካ ምቅላስ ኢዩ።

ስመር፡ ኣብሃገርካ፡ ብሓርነትን ናጽነትን ንበር። ኤርትራን ኤርትራውነትን፡ ሕገመንግስቲ ተኺሎም፡ ምስጎረባብቶም ብሰላም ክነብሩ ኢዮም።

 

ኤርትራን ኤርትራውነትን ንዘልኣለም ክነብሩ እዮም!

ሓርነትና ናይ ግድን እዩ!

ስምረት ምንቅቕስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር

1 መስከረም 2021

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *