ግንቦት 24 ክዝክር፡ መን’ዩ ሞራልዊ ሓላፍነት ዘለዎ? ጕጅለ ህግደፍ’ዶ ደንበ ሓርነታውያን ተቓለስቲ? 1ይ ክፋል

ክንየው ግፍዕታት ጃንዳ ህግደፍን፡ ናይ ምጽናት ፖሊሲታቱን፡ ጠሚትና፡ ብርትዓዊ ዓይኒ፡ ብምኽንያትዊ ስነ-ሞጎት ክንዕይር እንተኽኢልና ፡ 24 ግንቦት መን ይጸንብሎ፡ ዝብል ሕቶ መልሱ ኣጸጋሚ ክኸውን ኣይክእልን። ምኽንያቱ፡ ኣብደንበ ፍትሒ ዘለዉ ሓርነታውያን ተቓለስቲ፡ ልዕሊ ማንም ግዜ ዋንነት ግንቦት 24 ወሲዶም ክዝክርዎ፡ ሞራላዊ ሓላፍነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብባይታ ዝፍተን ዘሎ፡ ህግደፋዊ ውዲት፡ከነበርዕን፡ ልዕሊ ማን’ም ግዜ ዝኽሪ ሉኣላውነት ኤርትራ ሃገርና፡ ወነን’ቲ ንሕና ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ምዃንና፡ ደጊምና ንዅሎም ግዳማውያን ተዓዘብትን፡ቁንጮ ህግደፍን ነረጋገጸሉ ወቕቲ ኢዩ።
እምበኣር’ከስ፡ ግንቦት 24 ካብወለዶ ናብ ወለዶ ክሰጋገር ዘለዎ፡ ዝኽሪ ናይ’ቲ ኤርትራዊ ሉኣላውነት፡ ክዉን ንምግባር፡ ዝተኸፍለ ኩሉ ዓይነት ዋጋ፡ ህያው ኮይኑ፡ ብጋህዲ ዝተዛዘመላ ዕለት ኢያ።
ኣብ’ዚ ኣርእስ’ቲ እዚ፣ ንህዝብናን፡ ንማሕበረሰብዓለምን፡ ብፍላይ ከኣ ንዅለን፡ ኣብጎረቤትና ዘለዋ፡ሃገራትን ብሄራትን፡ ንጹር ክኸውን ዘለዎ ጕዳይ ኣሎ እንተኾይኑ፣ መሬታዊ ሉኣላውነት ኤርትራ ግምጃ ናይ’ቶም ወፊርም ዘይኣተው፣ ግምጃ ናይ’ቶም ፍርቂ ኣካላቶም ከፊሎም ዝሰንከሉ፣ ህያብ ናይ’ቶም ካብብሱል ጥረ ኮይኖም ዝወጹ፡ ሓርበኛታት ሓፋሽ ተጋደልትን፡ ናይ’ቲ ውሉዱ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይገንዘቡን ጥሪቱን ዘወፈየ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራምዃና ምዝካሩ የድሊ። ኤርትራ፣ ንመላእ ሓፋሽ ህዝብና፡ ንኣስላማይን ንክስታናይን፣ ንዓብን ንእሽቶን ፣ንኽልቲኡ ፆታታት ብማዕረ ትብጸሖ ታሪኻዊት ህያብኵሎም ዜጋታት ኤርትራ ኢያ። እዞም ናይሕጂህግደፍን፡ ኣጋፈርቶምን ፡ንበይኖም ዘዐወትዎ ዕጥቃዊቃልሲ ኣይነበረን፣ ሕጂ’ውን እንተኾነ ፡ ብዊንታን ውዲትን ጕጅለ ህግደፍ ጥራይ፡ ዝፈርስን ዝድምሰስን፡ ሉኣላውነት የልቦን። ምኽንያቱ፡ኤርትራ ውልቃዊት ንብረት ጕጅለ ህግደፍ ኣይኮነትን።
እምበሺ ጭፍራ ህግደፍ፡ ነ’ዚ ታሪኻዊ ዕለት ክዝክር ሞራላዊ ባይታ የብሉን። ምኽንያቱ ነ’ታ ብረዚን ዋጋ ዝተረኽበት ሃገር፣ ህዝባ በታቲኑ ናብስደት ዘባረረ፡ ናይ ወለዶ ጽንተት ዝሃንደሰ፡ ሕጂ’ውን፡ እንተኾነ፡ምስጎረቤት ሃገር ዘለዉ፡ ፖለቲካዊ ባእታት፡ ፖለቲካዊ ቃልኪዳን ኣሲሩ ዕድመ ስልጣኑ፡ ክመጥጥ ኣብዘዕለብጠሉ ዘሎ ወቕቲ፡ ኣምሰሉ ባህርያቱን፡ ናይ ብሕሶት ሃገራውነቱን ተኸሺሑ፡ ጡርሑ ኣብዝውጽኣሉ እዋን፡ ሃገር ኣብሓደጋ ምቕጻልን ዘይምቕጻልን ከተንጠልጥል፡ ውዲት ዝፈሓሰ፡ ገበኛ ጕጅለ፡ንይምሰል ብቐይሕ ጨርቀመርቂ ኣውረቕሩቑ፣ ብጓላን ዳንኬራን ክጽንብሎ እንተተሃንደደ፡ናይ ምትላልን ምዕሻውን፡ ፈተነ ምዃኑ ዘይፈልጥ ኣሎ እንተኾይኑ፣ እቲ ብበለጽን፡ ምስሉይነትን ዓይኒ-ልቡ ዝዓወረ ፣ ወይ ብጕጕይ ህልኽን ጽበትን፡ ዓፍትዩ፡ ዳስ ህግደፍ ከማሙቕ ዝተሰልበ፡ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ካልእ ማንም ክኸውን ኣይክእልን።
እምበኣርከስ ቅድሚ 60 ዓመታትት ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክነቅል ኢንከሎ ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን፣ ባህጊ ሞትን ከርተትን ማእሰትን ስንክልና ዝለዝነሮ ኣይኮነን። የግዳስ ከም ህዝቢ ብገዛእ ሕርይኡ መጻኢ ዕድሉ ከይውስን፡ ሰብኣዊ መሰሉ ተቐንጢጡ፣ ሓርነቱ ተጋሂሱ ፡ ብዘይ ፍቓዱ ኣብ ኣርዑት መግዛእቲ መሳፍንቲ ኣምሓራ ክቑረን ስለዝተፈርደ ጥራይ ኢዩ።
መዛግብቲ ታሪኽ ከምዝምስክርዎ፡ ኣብ1884 ምዕራባውያን ሃገራት ፣ኣብከተማ በርሊን ጀርመን፡ ዋዕላ ኣካይደን ኔረን።ርእሰ-ንገር ናይቲ ዋዕላ ከኣ፡ ነ’ቲ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ዘስፋሕፍሕ ዝነበረ፡ ምዕራባዊ እንዳስትርያዊ ሰውራ( Western Industrial Revolution) ዝኸውን ሓይሊ ሰብ፡ ጥረ ነገራትን ማዕድናትን፡ ንምርካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ተመቃቒሎም ምሓዝ ወሰኑ ። ብመስረት ስምምዖም ከኣ እዛ ሃብታም ኣህጉር ኣፍሪቃ ከም ስጋ ጉዚ ተመቓቕልዋ፤ ረብሓታቶም ብዘውሕስ መንገዲ ሓደስቲ ግዝኣትን ዶባታን ሓንጸጹ። ኣህጉር ኣፍሪቃ ከኣ ተጎዛዝያ ግዝኣታት ኤውሮፓ ኮነት።
ኤርትራ ሃገርና ሓንቲ ካብተን ብሕንጻጽ ኤውሮፓዊ ግዝኣት ዝቖማ ሃገራት ኢያ።
ካብ 1890 ክሳብ 1952 ከኣ፡ ኣብ ትሕቲ ክልተ ምዕራባዉያን ገዛእቲ ዝተመሓደረት ሃገር ኢያ። ምስ ምዉዳእ ካልኣይ ኩናት ዓለም፡ እቲ ኤርትራ ከም ግዝኣቱ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዘመሓደረ፡ ባዕዳዊ ሓይሊ ጣልያን ኣብ መሬት ኤርትራ ምስ ተሳዕረ፤ እቲ ስዒቡ ዝመጸ ባዕዳዊ ሓይሊ ምምሕዳር እንግሊዝ ኢዩ። ኣብ እዋን ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ዝመኽርሉ ፖለቲካዊ ባይታ ስለዝረኸቡ፡ መጻኢ ዕድሎም ንምዉሳን ምዝታይን ምድርዳርን ጀመሩ።
እቲ ዕላማ ከኣ፡ ካብ መግዛእቲ ነጻ ዝወጸት ልዑላዊት ሃገር ክዉን ንምግባር ኢዩ ዝነበረ። እተኾነ ነ’ቲ ፈልሲ ኤርትራዊ ሃገራውነት ኣብ እግሪ ተኽሉ ንምቁጻይ፣ ብወገን እንግሊዝ ይኹን ፣ ሃጸይ ሃይለስላሰ ማእለያ ዘይብሉ ማሕለኻታትን፣ዉዲታትን ተፋሒሶም ስለዝነበሩ፣ ዳርጋ ኩለን ኣብትሕትቲ ኤውሮፓዊ መግዛእቲ ዝነበራ ሃገራት ነጻነትን ክጎናጸፋ እንከለዋ፡ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ብፍሉይ ኣጀንዳ ተታሒዙ፡ ኤርትራ ከም መሽጣ ኣቅሓ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክትኣቱ ተወሰነ ። ብሓደ መዳይ ኢትዮጵያ ኣካል ክፍለ ግዝኣታ ክትከዉን ትሰርሕ፡ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ እንግሊዝ ኣብክልተ ክትምቀል ይፍትን ኔሩ፡ግብጺ’ውን ብዓቕማ ክትውንን ትምጉት ነበረት፡ ኮታስ ደረት ዘይብሉ ሽርሓታት ተፋሒሱ’ስ፡ ኣምሳይኡ ረዚን ዋጋ ኣኽፊሉና ኢዩ ። ከም’ቲ ኣማኻሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኤመሪካዊ ስታንፎርድ ዝበሎ ግን ” ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ነጻነት ኢዩ ኔሩ ። እንተኾነ ግን ንሃገራዊ ረብሓና ክንብል ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈድረሽን ክትቁረን ወሲንና ይብል።” ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ፡ንምሉእ ነጻነት’ኳ እንተነበረ፣ ብዘይ ድሌቱ ካብ ምዕራባዊ መግዛእቲ ናብ ጸሊም ኣፍሪቃዊ መግዛእቲ ክቁረን ተገበረ። ብዘይ ድላዩ፡ ንረብሕኡ’ዉን ዘይኮነስ፡ ንረብሓ ካልኦት ተባሂሉ፡ ከም ግኡዝ ኣቅሓ ንፖለቲካዊ መሽጣ ተሓረዡ ኢዩ።
እዚ ዉዲታት ተጓሃሂሩ ኣብ ዝካየድሉ ዝነበረ እዋን፣ በላሕትን ትኩራትን ኣቦታት፡ ነቲ ብዘይ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዝነበረ ፖለቲካዊ ሽርሕታት ንምዕጋት፡ እቲ ሓቀኛ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ንምንጽብራቅ ” ናብ ናይ ሎሚ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ” ናይ’ቲ ግዜ ሊግ ኦፍ ነሽንስ” (LEAGUE OF Nations)ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ መጋብኣያ ተሳቲፎም፡ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ነጻነት ጥራይ ምዃኑ ብተደጋግሚ ገሊጾም ኔሮምኢዮም፡፡ ዘይሕለል ሰለማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣካይዶ ኣይሰለጦምን፣ ነቲ ጸረ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ውሳነ ምዕራባውያን ዝነጽግ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብመልክዕ ሰለማዊ ሰልፍታት ተቃዉሞ ኣካይዶም ኔሮም ፡፡ ኮይኑ ግን ሰማዒ ኣይረኸቡን።
ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ምርጫኡ፡ ብዘይ ድለቱ፡ ንረብሓ ካልኦት ክብሃል፡ ብዝርያ ሓያላት ተገዲዱ ፡ ኣብ ዓመት 1952 እታምዕብልትን ዝሓሽ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምዕባለ ዝነበራ ኤር
እምበርኣርከስ፡ ህዝቢ ኤርትራ እታ እንኮ ዝነበረቶ ምርጫ’ምበኣር ” ብሓደ ሓሳብ ኣብ ሓንቲ ዕላማ” ተወዲቡ ነታ ብዓመጽ ዝተነፍገቶ፡ ካልኦት ህዝቢታት ኣፍሪቃ ዝዓተርዋሃገራዊ ነጻነትን፡ ክብረትን ” ንምዉሓስ ብቃልስን መስዋእትን ጥራይ ምዃኑ ተገንዚቡ ኣብቃልሲ ክወፍር ተገደደ። ኩሉ ሰላማዊ ኣገባባት ቃልሲ ተፈቲኑ፡ ምዃን ምስኣበየ፡ የግዲ ኮይኑ ናይ ሓደ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ጫፍ፡ ብረታዊ ቃልሲ ስለዝኾነ፡ ኣብ ዓመት 1958 ነ’ቲ ዓምጣሪ ኣካይዳ ሃጸይ ሃይለስለሰን፡ ዓንገልቱን ኣቀዲሞም ዝተገንዘቡ ደቂ ሃገር ” ማሕበረ ሽዉዓተ” ሓራካ ” ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ዝብል ዉዳብ ተኺሎም ” መላእ ህዝቢ ኤርትራ ንምሉእ ነጻነት ክቃለስ ኣለዓዒሎሞ ኢዮም ። ድሕሪ ሰለተ ዓመት ከኣ ኣብ ዓመት 1961 ቅድሚ ወግዓዊ ምፍራስ ፈረደሽን፤ ነጻነት ወይ ሞት ዝብል ጭርሖ ዝሓዘ ውዳብ ‘ ተጋዳሎ ሓርነት ኤርትራ” ኣብ ሃገረ ግብጺ፡ ኣብ ከተማ ካይሮ ተተኽለ።
ብተባዕ ኤርትራዊ እምቢታ ዝሰንበዱ ” ሃጸይ ሃይለሰለን ኣሳሰይቱን ” ነቲ ቁልዒ ቃልሲ ጋና
እቲ ንንጉሳዊ ስርዓት ሃይለሰላሴ ብወተሃደራዊ
ድሕሪ ናይ ፍርቂ ዘመን ዘይሕለል፡ ሰላማውን ዕጥቃውን ቃልሲ፡ ኣእላፋት ሂወትን፡ ሰንክልናል፡ ተኸፊልዎ፡ ኣብ ግንቦት24
ስለ’ዚ ግንቦት 24 ከም ሃገራዊ ብዓል ክንዝኽር
ሕጂ ኣብ’ዚ ተኣፋፊ መድረኽ፡ ብፍላይ ከኣ ጕጅለ ህግደፍ፡ ባሕርናን ሉኣላውነትና፡ ኣብዋጋ ዕዳጋ ኣብዘእተወሉ እዋን፡ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ፡ ንሕና ሓርነታውያን ተቓለስቲ፡ ወነንቲ ዝኽሪ ግንቦት 24 ከምዃና ብዘይቃልዓለም ነረጋግጸሉ ኣጋጣሚ’ምበር ፡ ነ’ቲ ብምስሉይ ጕጅለ፡ነ’ቲ ናይብሕሶት ሃገራውነት፡ ተጎልቢቡ፡ ህዝብን ሃገርን ዘጽንት ዘሎ ናይ ጥፍኣት ጕጅለ ንገድፈሉ ኣብነት የልቦን። መንፈስን ትርጕምን፡ ናጽነት ኤርትራ ዝቐትል ዘሎ ፡ ህግደፋዊ ውዲት፡ ዋንነት ግንቦት 24 የብሉን።
2ይ ክፋል
ግንቦት 24 ክዝክር መን’ዩ ሞራላዊ ሓላፍነት ዘለዎ? ጕጅለ ህግደፍ’ዶ ዋላስ ደንበ ሓርነታውያን ተቓለስቲ?
ክንየው ግፍዕታት ጃንዳ ህግደፍን፡ ናይ ምጽናት ፖሊሲታቱን፡ ጠሚትና፡ ብርትዓዊ ዓይኒ፡ ብምኽንያትዊ ስነ-ሞጎት ክንዕይር እንተኽኢልና ፡ 24 ግንቦት መን ይጸንብሎ፡ ዝብል ሕቶ መልሱ ኣጸጋሚ ክኸውን ኣይክእልን። ምኽንያቱ፡ ኣብደንበ ፍትሒ ዘለዉ ሓርነታውያን ተቓለስቲ፡ ልዕሊ ማንም ግዜ ዋንነት ግንቦት 24 ወሲዶም ክዝክርዎ፡ ሞራላዊ ሓላፍነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብባይታ ዝፍተን ዘሎ፡ ህግደፋዊ ውዲት፡ከነበርዕን፡ ልዕሊ ማን’ም ግዜ ዝኽሪ ሉኣላውነት ኤርትራ ሃገርና፡ ወነን’ቲ ንሕና ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ምዃንና፡ ደጊምና ንዅሎም ግዳማውያን ተዓዘብትን፡ቁንጮ ህግደፍን ነረጋገጸሉ ወቕቲ ኢዩ።
ግንቦት 24 ብወግዒ ዋንነት እንወስደሉ ምኽንያት’ምበኣር፡ዓለም ዝንፈገትና ኤርትራዊ ሉኣላውነት ክዉን ዝገበርናላ ዕለት ስለዝኾነት፡ ዋጋ ተኸፍልዎ ዝመጸ ናይ ሓደ መድረኽ ቃልሲ መዛዘሚ ስለዝኾነት ኢያ። እቲ ከቢድ መተካእታ ዘይብሉ፡
እቲ ኣብ 24 ግንቦት ዝተጋህግደ ኤርትራዉነት፡
ንሕና ኤርትራውያን፡ ብተፎጥራዊ ሃብትን፡ ጸጋታት ዝተዓደለት፤ ኳዕናን ሃገር ኣላትና። ቀዳሞት ኣቦታት ዘንበርዎ ዘተኣማምን መስረት ዘሎና፡ መበገስን መወከስን፡ ዝኸውንታሪኽ ንዉንን ህዝቢ ኢና።
ሓድነትና ከምቲ ዝድለ ኣብ ዘይሰጎመሉ ዝነበረ እዋን 1940ታትን 50ታትን፡ ሓድነትና ንምፍራስ፡ ማእለያ ዘይብሉ ሰይጣናዊ ዉዲት፡ ኣብ ዝፍሓስሉ ዝነበረ በዳሂ ዘመን፡ ኣቦታትና ሓድነቶም ብዝግባእ ኣዉሒሶም፡ ንኹሉ ዉዲታት ጸላእትን ተበለጽትን ኣምኪኖም ኢዮም። እዚ ጥበብ’ዚ ንኻልኦት ህዝብታት ዘይሃስስ ኣብነት ኢዩ። ከም ህዝቢ ሓድነትና ኣትሪርና፡ ንባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ብዘየዳግም ስዒርና ሉኣላዉነትና ዘረጋገጽ ህዝቢ ኢና። ኣብንቕሓትን ሓባራዊ ዕላማን ዝተነድቀ ሓድነት ዘይፍትሖ ሽግርን፡ ዘይስግሮ ግድላት ስለዘየሎ፡ ቀዳሞት ኣቦታት ነቲ ኩሉ ፍሕሶታት ጸላእቲ በቲኾም፡ ንድሕሪት ዘይምለስ ዝተወሃሃደ፣ ብግብሪ ዝተሰነየ ሓድነት ኣረጋጊጾም ኢዮም 24 ግንቦት ክዉን ጌሮሞ ሓሊፎም። ዓጽሞም ከስኪሶም ደሞም ኣፍሲሳሞ፡ ሃገረይ ጸላእን ባዕድን ኣይደፍረክን፡ እምቢ ንምግዛእቲ፡ እምቢ ንባርነት ምዝመዛን ኢሎም ሓሊፎም። ኣብታ መፍጠሮም ዝኾነ መሬት ኣቦታቶም፡ ንርስቶምን ክብረቶምን ወዲቆም፡ ኣካላ ኮይኖም ኢዮም። እንሆ ከኣኤርትራ ትብሃል ሃገር ህያው ኮይና ትነ
የግዳ’ስ ዘይከም ባህግናን፡ ዕላማናን፡ ኣብ ቆፎ ቃልስና ተጸፍዩዝመጸ፡ ህግደ
ካብ ማንም ዘይንስሕቶ ” ኤትራዉነት ንምብራዝ፡
ኣብ’ዚ ኣርእስ’ቲ እዚ፣ ንሓፋሽ ህዝብና ፣ ጎረባብትናን ማሕበረሰብ ዓለምን፡ ብዘይማትእ ንጹር ክኸውን ዘለዎ ጕዳይ ኣሎ እንተኾይኑ፣ መሬታዊ ኣዋጅ ሉኣላውነት ኤርትራ፡ ግምጃ ናይ’ቶም ወፊርም ዘይኣተው፣ ግምጃ ናይ’ቶም ፍርቂ ኣካላቶም ከፊሎም ዝሰንከሉ፣ ግምጃ ናይ’ቶም ካብብሱል ጥረ ኮይኖም ዝወጹ ሓርበኛታት ሓፋሽ ተጋደልትን፡ ናይ’ቲ ውሉዱ ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ገንዘቡን ጥሪቱን፡ከፊሉ ሰውራ ዝዓንገለ፡ሓላል ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ኢያ።
ብርትዓዊ መዐቀኒ፡ ሃገረ-ኤርትራ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ንኣስላማይን ንክስታናይን፣ ንዓብን ንእሽቶን ፣ ንኽልቲኡ ፆታታት ብማዕረ ትብጸሖም፡ ምኽንያቱ፡ ኤርትራ ከምዓለማ ብኢድ ፈጣሪ ዝተሰርሐት መሬት ኢያ። ነ’ዚ ክውንነት እዚ ዘይቅበልን፣ ክብሪ ዘይህብን ካብ’ቲ ህዝቢ ዘጽንትን ዝበታትን ዘሎ፡ ገባቲ፡ናይ ጥፍኣት ጕጅለ ዝፈልዮ ባህሪ የብሉን። ታሪኹ፡ መሰሉንመንነቱን ዘይተኽብረሉ ህዝቢ፡ ምእንታኻን ስለኻን ፡ይቃለስ ኣለኹ ክትብሎ ካብውጹእ ሓሶት ዘይርሕ ኣምሰሉነት ኢዩ።
ኣብመወዳእታ ከነምሓላልፎ ንደሊ መልእኽቲ እምበኣር፣ – ከምህዝቢ ብንቕሓትን ሓባራዊ መረዳእታን ሓድነትና ነዉሕስ።ንኹሎም ጸረ ሓድነት
ንቁሕ ሓድነትና’ዩ ዋሕስ ዓወትናን ቀጻልነትናን
ቀንዴል፡ ሉኣላውነት ኤርትራ ኣይክትጠፍእን ኢያ። ግንቦት 24ወትሩ ብሓርነታው
ኤርትራን ኤርትራዉነትን ሕገመንግስቲ ተኺሎም ክነብሩኢዮም ! !
ሓርነትና ናይ ግድን ኢዩ ! !