ፍሉይ መግለጺ ብምኽንያት መበል ዓስራይ ዓመት ምስረታ ስምረት

PDF Version ESMNS_10ይ ዓመት ስምረት
ፍሉይ መግለጺ ብምኽንያት መበል ዓስራይ ዓመት ምስረታ ስምረት
ሚ 17 ሓምለ 2022, ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ካብ ዝምስረት ዓስራይ ዓመቱ ኣቑጺሩ ኣሎ። ብመጀመሪያ ንኩሎም ኣባላትን ደገፍትን ከምኡው’ውን ኩሎም ደለይቲ ፍትሕን እንቋዕ ናብ መበል ዓስራይ ዓመት ምስረታ ስምረት ኣብቃዓና ንብል።
ህዝቢ ኤርትራ ንንውሕ ዝበለ እዋን ተቃሊሱ ናጽነቱ ኣውሒሱ እዩ። ኮይኑ ግን ፍረ ቃልሱ ዝኾነ ናጽነት ከየስተማቐረ በቶም ናተይ ኢሉ ሓብሒቡ ናብ ስልጣን ዘብቀዖም ኣካላት ተጠሊሙ ኣደዳ ስቃይን ስደትን ስለዝኾነ ዳግማይ ናብ ቃልሲ ክወፍር ተገዲዱ። ስርዓት ህግደፍ ነቲ ዝኣተዎ ቃል ጥሒሱ፡ መጀመሪያ ኣብቶም ኣካሉ ዝኾኑ ተጋደልትን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኩለንትናኡ ወፍዩ ናብ ስልጣን ዘብጸሖም ህዝቢን ክሕደት ብምፍጻም ከም ድላዩ ክኣስር፡ ክቕትልን ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ብዘይካ ውሑዳት፡ እሞ ካኣ እቶም ንነዊሕ እዋን ኣብ ቃልሲ ዝጸንሑ ገዳይም ተቓለስቲ እንተዘይኮይኑ ብዙሕ ተቓውሞ ኣይረኸበን። ሕሉፍ ሓሊፍዎ ነቶም ገለ ክፋል ኣካላቶም ምእንቲ ናጽነት ዝኸፈሉ ጀጋኑ ብኣድራጋ ጠያይት ኣብ ጽርግያ ኣስመራ ባጽዕ ኣብ ማይ ሓባር ክሰጥሖም እንከሎ ካብ ህዝቢ ዘጋጠሞ ርኡይ ተቓውሞ ኣይነበረን። ካብዚ ሓሊፉ’ውን በብእዋኑ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኲናት ወሊዑ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ሰፍ ዘይብል ክሳራ ከምዝወርድ ጌሩ እዩ። ኣብቲ ብብእዋኑ ዝወለዖ ኲናት ምስ ጎረባብቲ፡ እቲ ቀንዲ ግዳይ ዝኾነ መንእሰይ እዩ ኔሩ። መንእሰይ ከይማሃር፡ ከይሰርሕ ፡ ከይወልድ ከይዝምድ ኣብ ገደብ ኣልቦ ዕስክርና ስለዝተታሕዘ ከም ፍታሕ ዝወሰዶ ስደት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ቀጺሉ’ውን ናብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም እዩ። እቲ ናብ ስደት ዘምረሐ መንእሰይ ኣብቲ ዝኸዶ ዓድታት ምስቲ ካባቢ ክላመድ፡ ክማሃር፡ ህይወት ክሰርዕ ላዕልን ታሕትን ካብ ምባል ሓሊፉ ክሳብ መፋርቕ 2010 ዝፍለጥ ናይ መንእሰያት ጥርናፈ ኣይነበሮን። ቀስ እንዳበለ ግን በብዘለዎ ከባቢ እንዳተጠርነፈ ክመጽእ ድሕሪ ምጽናሕ ናብቲ 2012 ኣብ ቢሾፍቱ (ደብረዘይቲ) ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ዋዕላ መንእሰያት ክበጽሕ ክኢሉ።
ምስረታ ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር፡ ኣብ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ደሚቑ ዝረአን ዓቢ እጃም ዘበርከተን ምዃኑ ካብ ኩሉ ኤርትራዊ ዝተኸወለ ኣይኮነን። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ናይ ቃልሲ ዓመታት እቲ ዝበዝሐ መንእሰይ ዝሓቖፈን ብዝተፈላየ ኣገባብ ዝቃለስ ዘሎን ምንቅስቓስ እዩ። ስምረት ክብገስ ከሎ መንእሰይ ማእከሉ ጌሩ እኳ እንተተበገሰ ኣብቲ ቀዳማይ ጉባኤኡ ብዘሕለፎ ውሳነ መሰረት መታን ንኩሉ ክሓቁፍ እቲ ስም ካብ
ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ናብ ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራ ዝብል ተቐይሩ ፡ ምስኡውን ካብ ማሕበር ናብ ምንቅስቓስ ተሰጋጊሩ ብኩለንትናዊ ናይ ቃልሲ ኣገባብ ንስርዓት ህግደፍ ክቃለስ ተበጊሱ።
ኣብቲ ካብ ሓምለ 7, 2010 ጀሚሩ ክሳብ ሓምለ 17, 2010 ዝተኻየደ ጉባኤ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ብቁጽሪ 214 መንእሰያት ብማሕበር ደረጃ 38 ዝኾነ ዝተፈላለያ ማሕበራት መንእሰያት ተሳቲፎም ንዓሰርተ መዓልቲ ዝኣክል ድሕሪ ምዝታይ፡ ኣብቲ ናይ መዛዘሚ መዓልቲ ሓምለ 17, 2022 ካብቶም ኩሎም ዝቐረቡ ኣስማት፡ እታ ነቲ ክውንነት ትውክል እያ ዝተባህለት ስም ዓብሊላ ስምረት መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ብዝብል ስም ፈላሚ ጉባኤኦም ዛዚሞም ናብቲ ዝቕጽል መድረኽ ተሰጋገሩ። ብድሕሪዚ’ውን ቀጺሉ ኣብ ዝሰዓበ ናይ ሽወደን ዋዕላ መንእሰያት፡ ሽድሽተ ማሕበራት መንእሰይ ናብ ስምረት ብምጽንባር ነቲ ድሮ ተበጊሱ ታተ ክብል ጀሚሩ ዝነበረ ማሕበር ዝያዳ ሓይሊ ሂቡ ብናህሪ ከምዝቕጽል ጌርዎ እዩ። ጎኒ ንጎኒ እዚውን እቶም ብዝተፈላላየ ናይ ስደት ምኽንያታት ቦኺሮም ዝነበሩ ኣብ ሱዳን ዝነብሩ መንእሰያት ዝተሳተፍዎ ዓቢ ሰሚናር ኣብ ጎንደር ተኻይዱ ስምረት ብቑጽሪን ብዓይነት ከምዝሰፍሕ ኮይኑ እዩ። ጥርናፈ መንእሰይ ኤርትራ፡ ብሓፈሻ ንህዝብና ብፍላይ ካኣ ነቶም ንነዊሕ ዓመታት ዝተቓለሱ ገዳይም ተቓለስቲ ዓቢ ተስፋ ዝሃበ ኮይኑ ብኣንጻሩ ንህግደፍ ግን ዓቢ ስግኣት እዩ ኮይኑዎ። በዚ መሰረት ከኣ ነቲ ዝተወደበ ሓይሊ መንእሰይ ንምብታን ዝተፈላለየ ሜላታት ክጥቀም ተገዲዱ እዩ፡:
ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ቃልሱ ክጅምር እንከሎ ነቲ ሕሉፍ ናይ ደምበ ተቓውሞ ቃልሲ ገምጊሙ፡ ነቲ ኣብቲ እዋን ምስረታኡ ዝነበረ ኩነታት መዚኑ፡ ነቶም ዝነበሩ ኣማራጺታት ኣለልዩ ብፍሉይን እዋናውን ዝኾነ ናይ ቃልሲ ስልቲ ክኽተል እዩ ወሲኑ። ነዚ መሰረት ብምግባር ካኣ ኩሉ ኣብ ስምረት ዝውደብ ኣካል፡ ነቂሑን ኣብ ስነፍልጠት ዝተሞርከሰ ቃልሲ ከካይድን ከም ኣማራጺ ወሲዱ፡ ካብቲ ኣብ ዋዕላ ዝቐረበ ሓሳባት መወከሲ ብምግባር ቻርተሩን ሕገ ህንጻኡን ነዲፉ ናብ ስራሕ’ዩ ተዋፊሩ። ዕድመ ንእስነት፡ ሓደ ወዲ ሰብ ናይ መጻኢ ህይወቱ ከጣጥሕ ትምህርቲ ዝማሃረሉ፡ ሞያ ዝቐስመሉ ብስፖርትን ብስነ ጥበብን ዝምዕብለሉ ኮታ ብሓፈሻ ወሳኒ ክፋል ዕድመ ወዲ ሰብ እዩ፡ እንተኾነ ነዚ ኣብ ሃገሩ ክረክብ ዘይካኣለ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብቲ ዝተሰደሉ ሃገር ነቲ ዝረኸቦ ዕድል ትምህርትን ስራሕን ክጥቀመሉ ምትብባዕ ከም ሓደ ኣካል ናይቲ ቃልሲ እዩ ኔሩ። ስምረት፡ ኣብቲ ዝነበረ ጨንፈራቱ የካይዶ ብዝነበረ ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን መደባት ብዙሓት መንእሰያት እቲ ዝነበሮም ዓቕሚ ንቕድሚት ወጽዩ ኣብ ቃልስና ዓቢ ኣበርክቶ ጌሩ እዩ። ጎኒ ንጎኒ እዚውን ኣብ ስነጥበብን ስፖርትን ማሕበራዊ ጉዳያትን’ውን ርኡይ ዝኾነ ሓገዛት ጌሩ እዩ። ብፍላይ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታት ስፖርታውን ባህላውን ንጥፈታት ንምምዕባል ዘኽእልዎም ናይ ስፖርት ጋንታትን ናይ ሙዚቃ ጉጅለታትን መስሪቱ ነቶም ተጻወት’ቲ ዝኸውን ዕጥቅታትን፡ ንዝሳዓፉ ሽልማታትን ብምድውላው ዓቢ ኣበርክቶ ጌሩ እዩ፡ ንስፖርት ብዝምልከት ናይ ኩዕሶ እግርን ብሽክለታን ብዝያዳ ኮይኑ። ብፍላይ ብሽክለታት ካብ ደገ ካብ ዝርከቡ ኣባላቱ ብምምጻእ መንእሰያት ስፖርታዊ ውድድራት ክሳብ ከተማታት ትግራይ ወጽዮም ንክወደዳደሩ ሓጊዝዎም እዩ። ንባህላዊ ንጥፈታት ብዝምልከት ፡ ጉጅለ ባህሊ ስምረት (ስምረት ባንድ) ብምምስራት ብዙሓት መንእሰያት እቲ ዝነበሮም ተውህቦ ጎሊሑ ንክወጽእ ብምግባር ብኣብነት ዝጥቀሱ መንእሰያት ክፈርዩ ክኢሎም እዮም።
ንማሕበራዊ ጉዳይ ዝምልከት ምስ እንርኢ ኣብ መዓስከራት ንዝተጸገሙ ዝውዕል ዝተፈላለዩ ሓገዛት ካብ ምቕራብ ሓሊፉ፡ ደቂ ኣንስትዮ ወገናትና ንቅሓተን ዘደንፍዓሉን ነብስን ዝኽእላሉ ሞያ ንምጥራይ ዝዓለመ መደባት ብምሕንጻጽ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ከምዝሳተፋ ጌሩ እዩ። እዚ ካኣ ናይ ስፌት መኪና ትምህርቲ ፡ ሓባራዊ ትካል ንምኽፋት ዘኽእለን ሓገዛት ብምውፋይ ዝከኣሎ ዓቕሚ ኣበርኪቱ እዩ። እቲ በብእዋኑ ዝካየድ ዝነበረ ንጥፈታት ማዕረ ክንደይ ሓጋዚ ከምዝኾነ እተን ብኡ ዝሓለፋ ዝምስክረኦ ሓቂ እዩ። እዚ ካኣ እቲ ቃልስና ኩለንትናዊ ቃልሲ ምኹዃኑ ዘንጸባርቕ ሓቂ እዩ።
ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ፡ ካብቶም ዝያዳ ዝሰርሓሎም መዳያት ሓደ ኣብ ሜድያ እዩ። ካብቲ ብዕሊ ስራሕ ዝጀመረሉ እዋን ጀሚሩ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ራድዮ፡ ወብሳይት፡ መጽሔት ከምኡውን በብእዋኑ ዝሕተሙ ዝነበሩ ሓጸርቲ ናይ መነቃቅሒ ጽሑፋት ብምድላው፡ ክሳብ ውሽጢ ሃገር ከምዝበጽሑ ጌሩ እዩ። ብፍላይ ካኣ ራዲዮ ስምረት ብቋንቋ ዓረብን ትግርኛን ኣብ ዩቱብ ጀሚራ ካብ 2016 ክሳብ 2020 ብሳተላተይ ዝፍኖ መዓልታዊ መደባት እንዳ ኣዳለወት ናብ ውሽጢ ኤርትራ ከምኡውን ብመንገዲ ኢንተርነት ናብ መላእ ዓለም ክትዝርግሕ ጸኒሓ እያ።
ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ፡ ኣብ መላእ ዓለም፡ ህዝብና ኣብ ዝርከቦ ከባቢ፡ ዓበይትን ናኣሽቱን ሰሚናራት ብምክያድ ህዝቢ ብዛዕባ ህዝቡን ሃገሩን ኣቃልቦ ክገብርን፡ እጃሙ ከበርክትን ጻውዒታቱ ኣቕሪቡ ኣወንታዊ መልስታት ረኺቡሉ እዩ። ብዘይካቲ ምስ ህዝቢ ዝኸይድ ዝነበረ ርክባት ምስ ዝተፈላለዩ ወከልቲ ሃገራትን መራሕቲ ወጻኢ ጉዳያትን ተራኺቡ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ህዝብናን ኩነታት ሃገርናን ዘትዩ እዩ።
እዚ ኩሉ ንጥፈታት ክካየድ እንከሎ ግን ኩሉ ልሙጽ መንገዲ ኔሩ ክባሃል ኣይካኣልን። ምስቲ ኩሉ ናህሪን ዕቤትን ዝዳረግ ሓያል ብድሆታት ከምዘጋጠምዎ’ውን ምዝካር ኣገዳሲ ይኸውን። እቶም ዘጋጥሙ ዝነበሩ ብድሆታት ካብ ውሽጥን ደገን ኮይኖም ኣብ ገለ እዋናት ነቲ ንምቅስቓስ ብዝሃሲ መልክዑን ፡ እቲ ምንቅስቓስ ጠፊኡ ኣብ ዝበሃለሉ ደረጃ እውን ኣብጺሕዎ ኔሩ እዩ። እንተኾነ ንኩሎም ዝመጹ ብድሆታት ከከም ኩነታቱ ክፈትሖ ክኢሉ እዩ። ቀንዲ ምንጪ ናይቶም ብድሆታት ካብ ጸላኢ ዝመጹ እኳ እንተነበሩ፡ እቲ ገለ’ውን ካብ ጉድለት ተሞክሮታት ዘስዓቦ ንነገራት ህድእ ኢልካ ካብ ዘይምርኣይ ዝመጹ እዮም ኔሮም። እንተኾነ ምስ ግዜ እንዳተማሃርሎም ስለዝመጸ ከምኡውን እቲ ኣብ ሕጊህንጻና ዝሰፈረ ‘’ ንዘጋጥሙ ጸገማት ብመርሓ ዘተ ምፍታሕ” ዝብል መምርሒ ብምኽታል ንዝመጹ ኩሎም ብድሆታት መፍትሒ እንዳ ኣቐመጠሎም እዩ ቀጺሉ።
ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር፡ ስሙ ከምዝምስክሮ ካብ ኣበጋግስኡ ነቲ ፋሕ ኢሉ ዝነበረ መንእሰይ ኣብ ሓደ ጠርኒፉ ኣብ ናይ ቃልሲ መኣዲ ብምምጻእ ምስቲ ዝጸነሐ ደምበ ፍትሒ’ውን ጥቡቕ ርክብ ጌሩ ህዝብን ሃገርን ካብ ብርሰት ምድሓን እዩ። በዚ መሰረት፡ ምስቶም ዝጸንሑ ውድባት ድሕሪ ናይ ነዊሕ እዋን ናይ ስራሕ ዝምድና ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ) ኣብ ምምስራት ልዑል ተራ ተጻዊቱ። ሕጂ’ው ኣብቲ ንሸውዓተ ውድባት ዝሓቖፈ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ተጠርኒፉ ቃልሱ ብግብሪ ኣብ ባይታ የካይድ ኣሎ።
ኩልና ከምንፈልጦ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኣካል ግንባርና፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ብጸላእቱ ክባን ዕጽዋን ኣጋጢምሞ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ እዩ ዘሎ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ መረርቲ ልዕሊ 18 ኣዋርሕ ኩሉ እቲ ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ዝሓለፎ መከራ ኣሕሊፉ ሕጂው’ውን ነቲ ዘሎ ኩነታት ምስቲ ወትሩ ኣብ ጎንና ደው ዝብል ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ የሕልፎ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ እቲ ወሪድዎ ዘሎ ዕጽዋን ክባን ፈሪሱ፡ ሰላም ዝነግሰሉ እዋን ሓጺር ክኸውን እንዳተመነና፡ ሕጂ’ውን ነቲ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወረደ ግፍዕታት ንኩንን። ናይ ግዜ ጉዳይ እምበር ወረርትን ዓመጽትን ተሳዓርቲ ምዃኖም ዘየጠራጥር እዩ። ብሓፈሻ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርቲ ናይ ቃልሲን መኸተን ዓመትን ብዙሕ ውረድ ደይብ ሓሊፉ እዩ። ቁንጮ ስርዓት ህግደፍ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ብሓፈሻ ህዝቢ ብፍላይ ካኣ መንእሰያት ነንሕድሕዶም ክናቖቱ ዘይፈተኖ ተጻባኦታት ኣይነበረን። እንተኾነ እቲ ንኡስ ወለዶ ከምቲ ዝደልይዎ ክኾነሎም ብዘይምኽኣሉ እቲ ዝበዝሐ ፈተነታቶም ፈሺሉ እዩ። ኤርትራዊ መንእሰይ ወላኳ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ጽላል ኮይኑ ኣይቃለስ ብሓሳብ ግን ዳርጋ ብሓደ ኮይኑ ንውድቀት ህግደፍ ከቃላጥፍ ዘይሕለል ጻዕሩ የካይድ ኣሎ። ዓወቱ ናይ ግድን ምዃኑ ዘይጠራጥር እዩ ሓቂ እዩ።
መንእሰይ ኤርትራ ሕጂ’ውን ኩሉ ዓቕምታትካ ኣዋሃሂድካ ክትቃለስን ንስርዓት ህግደፍ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምሒኻ ክትድርብዮ እቲ ጾርን ሓላፍነትን ኣባኻ እዩ ዘሎ። እቶም ንልዕሊ ኣርባዓ ዓመታት ዝተቓለሱ ገዳይም ተቓለስቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቃልሲ ኣለዉ። እስኻውን ኣሰሮም ተኸቲልካ እቲ ብሓባር ዝጀመርካዮ ቃልሲ ኣብ መወዳእታኡ ከተብጽሖ ሕጂው’ን ዳግማይ ጻውዒት ናባኻ ይቐርብ ኣሎ። ስደት ግዜያዊ መፍትሒ እምበር ነባሪ ፍታሕ ኣየምጽእን እዩ። ሕጂ’ውን ሽግርካ ክትኣሊ እቲ እንኮ መፍትሒ ተወዲብካ ምቅላስ ስለዝኾነ፡ ተወደብ፡ ተዓጠቕ ክተት።
ዳግማይ እንቋዕ ናብ መበል ዓስራይ ዓመት ምስረታ ስምረት ኣብቃዓና፡
ኤርትራን ኤርትራውነትን ንዘልኣለም ክነብሩ እዮም !!
ሓርነትና ናይ ግድን እዩ !!
ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር
17 ሓምለ 2022